
ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ንጉጅለታት ጸላኢ ዕላማ ንምግባር ነብሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝኽእል ብርክት ዝበለ ሰብ ኣልቦ ድሮን ተፍሪ ምህላው ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ ዘመናዊ ነብሰቅትለታዊ ድሮናት ኢትዮጵያ፡ ብምትሕብባር ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ምምሕዳር ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (ኢንሳ)፡ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን (NIS) ይፈሪ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ እቲ ዘመናዊ ድሮን ኣብ እኩብ ጉጅለታታት ጸላኢ ብምእታው ዓቢ ዕንወት ከውርድ ከምዝኽእል”ዩ ኣብ ቃላቱ ዝጠቅስ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ነዚ ዝገለጸ፡ ብሓሙስ 4 መስከረም 2025 ምስ ሰበስልጣን ዓውዲ ኢኮኖሚ ብምኳን “AEROABAY” ኣብ ዝተብሃለ ትካል ምፍራይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተረኺቡ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ድሕነት መርበብ ሓበሬታ (ኢንሳ) ከምዝርከብ ዝንገረሉ ትካል፡ ሰለስተ ዓይነት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ምፍራይ ምህላዉ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትካል መፍረ ድሮናት ድሕሪ ዝገበሮ ዑደት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተልእኾ ኢትዮጵያ እተፍርዮ ዘላ ሰብ ኣልቦ ድሮናት፡ ኣብ ውሱን ከባቢ ጥራይ ዝተሓጽረ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ንስለያዊ ንጥፈታት ምክትታል፡ ንንግዳዊ ዕላማን፡ ወተሃደራዊ ስርሒትን ዝኸውን፡ ብዝሒ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተፍሪ ምህላዋ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ከባቢ ክልተ ዓመታት ብውሽጣዊ ዓቅምታታ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ምፍራይ ምህላዋ ክትገልጽ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር እቲ ኢትዮጵያ ብውሽጣዊ ዓቅመይ ኣማዕቢለዮ እትብሎ ሰብ ኣልቦ ድሮናት ካብ ወጻኢ ሃገራት ተዓዲጉ ብዝመጸ ንብረት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገጣጠም ዳኣ እምበር፡ ብውሽጣዊ ዓቅምታት እታ ሃገር ዝማዕበለ ከምዘይኮነ”ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።