
ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ሃገራት ካሪብያንን፡ ብሰንኪ መግዛእታዊ ስርዓታት ንዝወረደን ኩለንተናዊ በደላትን ግህሰትን፡ ፍትሒ ክሓታሉ ኣለወን ክብል ገሊጹ።
ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝቃናዕ ዘሎ ካልኣይ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ካሪብያንን ኮይኑ፡ ኣብቲ “ኣህጉራኣዊ ምሕዝነት ንፍትሒ ንኣፍሪቃውያንን” ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ መግዛእታዊ ስርዓታት ንዘብጽሖ በደላት፡ ካሕሳ ክሕተተሉ ከምዝግባእ’ዩ ዝምጉት።
መሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ግህሰት ኣፍልጦ ንኽወሃቦን፡ ትርጉም ዘለዎ ካሕሳ ንኽረክብን፡ ንኹሉ ዝጠቅም ፍትሓዊ ስርዓት ንኽህሉን፡ ሃገራት ሓባራዊ ጻዕሪ ከካይዳ ኣለወን ዝበለ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ እቲ ዋዕላ ኣብ ከምዚኦም ዛኣመሰሉ ካልኦት ሓባራዊ ጉዳያትን ብሓባር ንምስራሕ ጽቡቕ ዕድል ከምዝኸውን’ዩ ገሊጹ።
ኣፍሪቃውያን ንዝተፈጸመ መግዛእታዊ በደላት ግቡእ ፍትሒ ንኽረኽብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ዝዕወት፡ ምስ ኣሕዋት ህዝብታት ካሪብያን ብሓባር ምስ ዝሰርሑ ጥራይ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ሃገራት ኣፍሪቃን ካሪብያንን ዝቀደሙ ወለዶታት ንዘቖምዎ ታሪኻዊ ምትእስሳር ብምጽናዕ፡ ንሓባራዊ ናጽነት ፍትሕን ብልጽግናን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ’ዩ ዝገልጽ።
እቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ካሪብያንን ንዘሎ ታሪኻዊ ዝምድና ንምሕያልን፡ ከምኡ’ውን ናብ ሓያል ቁጠባዉን ዲፕሎማስያውን ምትእስሳር ንምምዕባል ዝዓለመ ምኳኑ”ዩ ዝንገር።