
ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ናይ በርቂ ሓደጋ፡ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ መንእሰያት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝለኣኩልና ሓበሬታ ገሊጾም።
እቲ ዘጋጣመ ሓደጋ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዙር ጽምዶ እንዳበለ መዳመቂ ፕሮፖጋንዳዊ ዕላማታቱ ክገብሮም ኣብ ልዕሊ ዝጸንሐ ሓደስቲ ተዓለምቲ ኣባላት 38 ዙርያ ዘጋጠመ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዘጋጠመ ሓደጋ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተፈልጠ መንእሰያት ተጎዲኦም ምህላዎም”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቅሱ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝብል ምክንያት፡ ዓመታዊ ንኣሽቱ መንእሰያት ሃገር ኣብ ዘይፈልጥዎ በረካታት እንዳወሰደ ኣደዳ ዘይተደልየ ጥዕናዊ ጸገማትን ናብ ሞት ዘብጽሕ ሕማማትን ክገብሮም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ናይ ሎሚ ፍጻመ ውን ወላ ዳኣ ባህሪያዊ ሓደጋ ይኩን እምበር፡ መቀጸልታ ናይቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሃገር ዝፍጸም ዘይተደልየ ሰባኣዊ ክሳራታት ምኳኑ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብምስምስ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ መንእሰያት ጅሆ ዝተሓዝሉ ናይ ባርነት ተግባራት ምፍጻም ካብ ዝጅምር ንንየው፡ ብመርዛማት ለመምቲ፡ ባህሪያዊ ሓደጋ፡ ብተላባዒ ሕማምን ኣሰቃቂ መግረፍትን፡ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ከምዝተከስረ ወሲኮም ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ብዘይካ ኣብ መዓስከር ሳዋ ዘጋጥም ፍጻመታት፡ ኣብ ከም ሚዕጢር፡ ዊዓ፡ ኮርመናዕ፡ ናቅፋ፡ ኣፍዓበትን ዓሰብን፡ መዓልታዊ ሞት መንእሰያት እንዳተመዝገበ ይሓልፍ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝገብሮ ናይ ባርነት ተግባራት፡ መጻኢ ሃገር ንምውሓስን ሃገራዊ ሓይሊ ንምህናጽን ዓሊሙ ዝግበሮ ምኳኑ ተደጋጋሚ ግዜ ዝገልጽ ወላ ዳኣ ይኩን፡ ቀንዲ ዕላማ”ቲ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝካየድ መወዳእታ ዘይብሉ ግፍዕታት፡ ንኤርትራ ምንእሰያዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ዘይብላ ሃገር ብምግባር፡ ምልካዊ ምሕደራ እቲ ጉጅለ ንምንዋሕ ዝዓለመ ምኳኑ፡ ግፍዕታታት ናይቲ ጉጅለ ዘነጽሮ’ዩ።