
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ ብዘቐመጦ እምነመሰረት፡ ቅድሚ 14 ዓመታት ህንጸቱ ብወግዒ ዝፈለመ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ብዙሕ ብድሆታት ሓሊፉ፡ ድሕሪ 14 ዓመት ተዛዚሙ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ተመሪቁ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ሳሊኒ (ዊ”ብዩልድ) ጣልያናዊ ፔትሮ ሳሊኒ፡ ኣብ ምጅማር እቲ ፕሮጀክት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝገበሮ ናይ ፈለማ ዕላል እንታይ ምንባሩ፡ ኣብ ስነስርዓት እቲ ምረቓ ዝኽሩ ዘካፈለ ኮይኑ፡ ህንጸት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፡ ነቲ ግድብ ንምህናጽ ዝነበረ ላዕልን ታሕትን፡ ከምኡ’ውን ዝተኸፍለ ብዙሕ ሰብኣውን ንዋታውን ዋጋታት ብምዝርዛር፡ ዓቢ ዓወት ከምዝተሰርሐ”ዩ ዝጠቅስ።
ንዓይን ንሃገርናን ሓደ ሕልሚ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ ዝበለ እቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ ከመይ ገይርና ልዕሊ’ዚ ክንሕበን ንኽእል ብምባል፡ ነቶም ነዚ ዓወት ጋህዲ ዝገበሩ ሰራሕተኛታት እቲ ግድብ ዘለዎ ልዑል ምስጋና ኣቕሪቡ ን ኢትዮጵያውያን ናይ እንዃዕ ሓጎሰኩም መልእክቱ ኣመሓላሊፉ።
ንፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝበለጸ ውሑስ ፕሮጀክት”ዩ ዝበለ ሳሊኒ፡ ልክዕ ከምቲ ዓበይቲ ዓወታት ዝሓትዎ ዋጋ፡ ኣብ መስርሕ ህንጸቱ ብዙሕ ሰብኣዊ ዋጋ ከምዝተኸፍለ”ዩ ዘረድእ።
ፔትሮ ሳሊኒ፡ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት 33 ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብሓደጋ ጽርግያን ካልእ ኩነታትን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ነዚ ዓወት ክዉን ንምግባር፡ ህይወቶም ንዝሰውኡ ሰራሕተኛታት ዘለዎም ኣኽብሮት ብምግላጽ፡ ፕሮጀክት ህዳሴ ብዓወት ብምዝዛሙ ንድሙቅ ዝክሮም ነባሪ ከምዝገብሮ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት መራሕቲ ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ዝተሳተፉ ኮይኖም፡ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ኢትዮጵያ ንዝረኸበቶ ዓቢ ዓወት ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም።
ካብቶም ዕዱማት ሓደ ዝዀነ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ “ታሪኻዊ ዓወት” ብምባል፡ ንመንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ናይ እንኳዕ ሓጎሰኩም ሰናይ ትምኒቱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሩቶ ወሲኹ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ሕልሚ ምህንድስና ዝተዓወተሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ‘ኣፍሪቃ ባዕላ ዕድላ ክትውስን ከም እትኽእል ዘበሰረ ንጹር ኣብነት ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ሎሚ ነዚ ዓቢ ዓወት ኣብ እንጽምብለሉ ዘለና እዋን፡ ምሕዝነት ምትሕብባርን ሓባራዊ ራእይን፡ ንዘላቒ መጻኢ ዘለና ምትእስሳርን፡ ደጊምና ነረጋግጸሉ እዩ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ዘራኽብን ንሰፊሕ ዞባ ተፋሰስ ዘተኣሰሳር ድልድል ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሃገሩ ኬንያ ምስ ጎረቤታ ኢትዮጵያ ተቐራሪባ ንምስራሕ ተወፋይነት ከምዘለዋ”ዩ ኣረጋጊጹ።
ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ማያርዲት ብወገኑ፡ ካብቶም ኣብቲ ጽንብል ዝተዓደሙ መራሕቲ ሓደ ኮይኑ፡ ንሱ’ውን ሃገሩ ከም ኬንያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምርካብ ስምምዕ ክትፍርም ድልውቲ ምዃና ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ግድብ ኪኖ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ዝጠቅም ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ባርባዶስ ሚያ ሞትሊ ብወገና፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ኣብ ዘካየደቶ ዑደት ዝተዓዘበቶ፡ ዓወት ዓድዋ ብምህንድስና ህዳሴ ግድብ ዳግማይ ከምዝተደግመ ዘረጋግጽ ምኳኑ ዝገለጸት ኮይና፡ ምግሃድ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ጸዓት ንምፍራይ ካብ ዝግበር ቃልሲ ምህንድስና ንላዕሊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ሰዲዳ።
መራሒ ጅቡቲ ብወገኑ፡ ኣብ ጽንብል ምምራቅ ህዳሴ ዝተረክበ ካልእ መራሒ ሃገር ኮይኑ፡ኣብቲ ብቋንቋ ኣምሓረኛ ዘስምዖ መደረ፡ ዓወት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓወት ኩሎም ህዝብታት እዚ ዞባ ምኳኑ ብምጥቃስ ዮውሃኑኡ ገሊጹ።