
እስራኤል ኣብ ርእሰ ከተማ ቐጠር ዶሓ ናብ መራሕቲ ፍልስጤማዊ ጉጅለ ሓማስ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝፍጸመት ኣፍሊጣ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ “ንጹር ዕላማ ዝነበሮ መጥቃዕቲ” ንላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ መራሕቲ ሓማስ ብጉዳይ ምቁራጽ ተጻቦኦ ቓዛ ንምዝርራብ ኣብ ኣኼባ ዶሓ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከምዝተፈጸመ”ዩ ዝግለጽ።
ቅድሚ’ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ክወርድ ንዝኽእል ጉድኣት ንምውጋድ ኣድላዪ ጥንቃቀ ከምዝተካየደ ዝገለጸ ሰራዊት እስራኤል፡ ስላያዊ ሓበሬታ ብምእካብ ኣነጻጺሩ ዝሃርም ተተኳሲ ተጠቂሙ ነቲ ዕዉት ዝበሎ መጥቃዕቲ ምፍጻሙ”ዩ ዝግለጽ።
ርእሰ ከተማኣ ብነፈርቲ እስራኤል ዝተደብደባ ቀጠር፡ በቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቖጠዐት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ነቲ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ “ቅሉዕ ጥሕሰት” ዓለምለኻዊ ሕጊታት እዩ ክትብል ብወግዓዊ መግለጺ ኮኒናቶ ምህላዋ”ዩ ዝንገር።
ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ቀጠር ነቲ መጥቃዕቲ “ኣትሪራ ከም እትኹንኖ” ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ንኣብ ርእሰከተማ ቐጠር ዶሓ ዝርከብን፡ ኣባላት ፖለቲካዊ ቤትጽሕፈት ሓማስ ዝነብርሉን ህንጻ ዒላማ ከምዝገበረ ዝተነግረሉ መጥቃዕቲ፡ ሲቪላዊ መንበሪ ኣባይቲ ምህራሙ”ዩ ዶ/ር ማጅድ ኣል ኣንሳሪ ዝገልጽ።
ቀጠር ድሕሪ”ቲ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ሃገረ ቐጠር ነቲ መጥቃዕቲ ብትሪ ከምእትኩንኖ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ሓላፍነት ንዝጎዶሎ ባህሪያት እስራኤልን፡ ጸጥታ እቲ ዞባ ንምሕማስ ትገብሮ ዘላ ምትኹታኹን፡ ንጸጥታኣን ልኡላውነታን ዘነጻጸረ ሓደገኛ ተግባራት ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ቀጠር ከምዘይትጻወሮ ተረጋግጽ ክብል”ዩ ኣጠንቂቑ ዝርከብ።
ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ ሓይልታት ምክልኻል እሰራኤልን ትካል ጸጥታን፡ ዒላማኡ ዝወቕዐን ናብ ላዕለዋይ መሪሕነት ኣሸባሪ ውድብ ሓማስ ጥራሕ ዘነጻጸረን መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ዝገለጸ ኮይኑ፡
ኣብ ዶሓ ዝርከቡ ኣባላት መሪሕነት ሓማስ፡ ንስርሒታት ናይቲ ኣሸባሪ ውድብ ዝመርሑን፡ ነቲ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ቀጥታዊ ሓላፍነት ዝስከሙን፡ ነቲ ኣንጻር ሃገረ እስራኤል ዝካየድ ኲናት ዝውድቡን ዘመሓድሩን ምኳኖም ብምጥቃስ፡ ግቡእ ስጉምቲ ምውሳዱ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሓይልታት ምክልኻል እሰራኤልን ትካል ጸጥታ እስራኤልን ነቲ ናይ 7 ጥቅምቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝስከም ኣሸባሪ ውድብ ሓማስ ንምስዓር ስርሒታቶም ብቆራጽነት ክቕጽሉ እዮም” ክብል’ውን”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዘጠንቅቕ።
መሓዛን ደጋፊትን ሓማስ ዝኾነት ኢራን ነቲ ኣብ ዶሓ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ንሃገራዊ ልኡላውነት ቐጠርን ተወከልቲ ፍልስጤም ዝኮኑ ተዛተይቲ ኣካላትን ዝግህስ’ዩ” ክትብል ተቃውሞኣ ዝገለጸት ኮይና፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ኣብ ቐጠር ዝርከቡ ዜጋታቱ ኣብ ውሑስ ቦታ ክዕቆቡ መምርሒ ኣውጺኡ’ሎ።
ቐጠር ምስ ግብጺን ኣመሪካን ብምትሕብባር፡ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብልን፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ንኽፍጸምን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንዝግበር ዘተ ከተሳልጥ ምጽንሓ ዝዝከር”ዩ
•••