
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ንልዕሊ 14 ዓመት ክትሃንጾ ዝጸንሓት ዓቢ ፕሮጀክት ብዓወት ዛዚማ ኣብ መመረቅቱኡ ከምዘብጽሓቶ ካብ እትገልጽ ንንየው፡ ድምቀት እቲ ጽንብል ንምድዋንን፡ ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያ ብዝረከበቶ ዓወታት ሰናይ ቅኒኢ ከይስምዖን ክገብሮ ዝቀነየ ተንኮላት ዋጋ ከምዘይረከበ ተገሊጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ግብጺ ንህዳሴ ክድብ ከተዕንዎ”ያ፡ እቲ ፕሮጀክት ውዱቅ ፕሮጀክት”ዩ፡ ትርጉም የብሉን ወዘተ ዝብሉ ዕላላት እንዳፈነወ፡ ኢትዮጵያ ንዝረከበቶ ዓቢ ዓወትን፡ ኣብ መጻኢ ንህዝቢ ኤርትራ ክህልዎ ዝክእል ግዙፍ ረብሓታትን ክድውን ከቢድ ጻዕሪ ከካይድ ዝቀነየ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ንጉጅለ ህግደፍ ተጸይኑ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ንዝረከበቶ ዓቢ ዓወት ብክፉት ልቢ ሰናይ ምንዮቱን ታሕጓሱን ምግላጹ፡ ሃቀና ህግደፍ ኣብ ማይ ምእታዉ”ዩ፡ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራከቢታት ዘሎ ምስሊ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ምምራቅ ህዳሴ ግድብ ክነብዕ ዝተራእየ ኮይኑ፡ ነቲ ሃገሩ ብዘመዝገበቶ ዓወት ካብ ክትሩ ሓጎስ ዝተፈጥረ ንብዓት እቲ መራሒ ከቆናጽብ ዝፈተነ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈጸሞ ዕንወትን ብርሰትን ኣብ ልዕሊ መራሒ ኢትዮጵያ ብምሕጫጭን ብምልጋጽን ክሽፍኖ ዋላ’ኳ እንተፈተነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ን14 ዓመታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝከፍሎ ከቢድ ዋጋን ዝሰገሮ ምጽማምን ብክፉት ልቢ ምድጋፉ፡ እቲ ዝጠፈሸ ጉጅለ ሓፊሩ ምትራፉ ዘረጋግጽ”ዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ህንጸት ህዳሴ ግድብ ረኪባቶ ዘላ ዓቢ ዓወት፡ ጽባሕ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራ ዓቢ ረብሓ ምኳኑ ዝተረደአ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ተዓዊታ ብምውጻኣ ሰናይ ምንዮቱ ክገልጽ ምራኣይ ንጉጅለ ህግደፍ ዘዋርድ ትርጉም ዘለዎ ኮይኑ፡ ህግደፍን ናይ ጥፋኣት መሓውራቱን ካብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽራጉ፡ ኤርትራ ተጠቃሚት ሃብቲ ህዳሴ ግድብ ምኳን ዘይተርፍ ብምኳኑ ውን፡ ነቲ ካብ ጽንብል እቲ ዓቢ ብሮጀክት ተገሊሉ ክጻረፍ ዝወዓለ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዓቢ ውርደት ምኳኑ ዘረጋግጽ”ዩ።
በዚ ኣጋጣሚ ሳተላይት ቴለቪዥን ኤሪፒኤም፡ ኢትዮጵያ ንኣስታት 14 ዓመታት ተጸሚማ ዝረኸበቶ ዓወትን ዘለዎ ዞባዊ ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እንኳዕ ሓጎሰካ ትብል።