
ኣብ ሃገረ ኔፓል ኣንጻር እገዳ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ Gen Z ተባሂሉ ብዝፍለጥ መንእሰያዊ ምንቅስቓስ እንዳተመርሐ ኣብ ሓጺር ግዜ ለውጢ ምፍጣሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ክሰምዖ ዘይደሊ ምኳኑ ተገሊጹ።
እቲ ብዘገርም ቅልጣፈ ዕላሙኡ ዝወቅዐ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ማሕበራዊ መራከቢታት ንምዕፋን ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ዝተፈጥረ ኮይኑ፡ መንእሰያት መራሕቲ ምንቅስቓስ ተቓውሞ Gen Z ምስ ህዝቢ እታ ሃገር ብምኳን ድሕሪ ዘካየድዎ ቃልሲ እቲ ድምጺ ንምዕፋን ዝተበገሰ ሓይሊ ብ ሄሊኮፕተር ተሓጊዙ ምህዳሙ፡ ነቲ ንልዕሊ 34 ዓመታት መስመር ኢንተርነት ዘይብላ ካብ ዓለም ዝተገለለት ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ናይ ጥፋኣት ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ መርድእ ዘፍሊ የብሉን።
ሰልፈኛታት እታ ሃገር መንግስቲ ድምጺ ናይ ምዕፋን ስጉምቲ ንምውሳድ ድሕሪ ምብጋሱ፡ ንፓርላማ እታ ሃገር፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን፡ ኣባይቲ ሰበስልጣናትን ድሕሪ ምቅጻሎም፡ መንግስቲ እታ ሃገር ምፍራሱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት ኔፓል ኣብ እዋን ህዝባዊ ተቃውሞ እታ ሃገር ዘራኣዮ ድሲፕሊን ውን መሳርሒ ምልኪ ኮይኖም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ ክኸውን ከምዝክእል”ዩ ዝእመን።
እቲ ኣብ ኔፓል ዝተወለዕው ህዝባዊ ተቓውሞ ብትሕቲ 28 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት “GEN Z PROTEST” እንዳተመርሐ፡ ኣብ ክልተ መዓልቲ ንቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገርን መንግስቱን ካብ ስልጣኖም ከውድቕ ምካኣሉ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ዓቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝመራሒኦም ብርክት ዝበሉ ናይ ጥፋኣት ጉጅለታት፡ ነቲ ኣብ ኔፓል ዝተራእየ ህዝባዊ ቁጠዐ ክገልጽዎ ዘይምፍታኖም፡ ንባህሪያቶም ዝያዳ ዘነጽር ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተርን ካቢነ ሚኒስተራትን ድሕሪ ምፍራሱ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ናብቲ ብነድሪ ናብ ጎደና ዝወጸ ሓይሊ ጥይት ክትኩስ ዘይምምራጹ፡ መራኣያ ህዝባዊ ውግንና ብምኳን ካብ ብዙሓት ናእዳ ዝረኸበ ኮይኑ፡ ውልቀመላኺ ዓዲ ሃሎ በቲ መንእሰያት ዝወሰድዎ ስጉምትን፡ ሰራዊት ዝወሰዶ ህዝባዊ ውግንናን ክድሰት ከምዘይኮነ ንጹር”ዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ዝመራሒኦም ውልቀ መለክቲ እዛ ዓለም፡ ህዝቢ ተዓዊቱ ንዝወጻሉ መንግስታዊ ተቓውሞታት ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ንላዕሊ ስቅ ምባል ዝመርጹ ኮይኖም፡ ይኹን እምበር እዚ ኣብ ኔፓል ዝተፈጥረ ህዝባዊ ዓወት፡ መንእሰያት ብርጌድ ንሓመዱን ውጹዓት ዜጋታት ኤርትራን፡ ህግደፍ ከም ኩሎም ዓፈንቲ ስርዓታት እዛ ዓለም ወደቅቲ ምኳኖም ክርዳእ ዝገብር”ዩ።