
ካብ እዋን እግሪ ተኽሉ ኣትሒዙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክቱር ራዕድን ምጥርጣን ዝስምዖ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ረኺቡ ፖለቲካዊ ሕቶ ንከየልዕል ብምባል ንዝሓለፈ 34 ዓመታት ኣሰቃቂ ገበናት ክፍጽም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ውን መቀጸልታ ሕሉፍ ተግባራቱ ብጉዳይ ቤት ምህሮ ቁራኣን ጊንዳዕ ንጹሃን ዜጋታት ይጨውን ይስውርን ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ መባእታዊ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ኣብ ምስትምሃር ንዝጸንሐት ቤት ምህሮ ቁራኣን ጊንዳዕ፡ ብሃይማኖታዊ ሽበራ ክኸሳን ክጥቅናን ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ እታ ቤት ትምህርቲ ከም እትዕጾ ብምግባር፡ ንዋና ኣካያዲ ቤት ምህሮ ቁራኣን ጊንዳዕ ዝኮነ
ሸክ ኣድም ሻዕባን ምስ ብጾቱ ተሰዊሮም ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ድሕሪ”ቶም ኣብ ቀዳማይ እብረ ዝተሰወሩ ዜጋታት ኣማሓዳሪ ከተማ ጊንዳዕ ዝኮነ ኣቶ ዑመር ያህያ ንዝተወስደ ስጉምቲ ብምቅዋሙ ጥራሕ ኣሰሮም ከምዝሰዓበን፡ ካሎኦት ክልተ ኣዴታት ውን ኣብዚ ሰሙን ተጨውየን ተወሲደን ምህላወን”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገልጹ።
ኣማሓዳሪ ከተማ ጊንዳዕ ኣቶ ያህያ ዑመር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቤት ምህሮ ቁራኣን ጊንዳዕ ዝተወስደ ናይ ምዕጻው ስጉምትን፡ ንዑኡ ስዒቡ ዝመጸ ምስዋር ኣካየድቲ እታ ቤትምህርትን ቅኑዕ ከምዘይኮነ ተቓውሞ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣሰሮም ስዒቡ ኣብ መሓዩር ናይቲ ጉጅለ ምህላዉ ዝጠቀሱ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ህግደፍ እቲ ኣብታ ቤትምህርቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ህዝባዊ ቁጠዐ ከይፈጥር ብምስጋእ ቀጻሊ ስለያዊ ንጥፈታት የካይድ ምህላዉን፡ ክልተ ኣዴታት ሓዊሱ ካሎኦት ሰለማውያን ሰባት ይጨውን የበሳብስን ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ብጉዳይ ቤት ምህሮ ቁራኣን ጊንዳዕ ናይ ዝሰወሮም ዜጋታት ቁጽሪ፡ ልዕሊ 11 ደይቡ ምህላዉ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እቲ ጭውያ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ንቤት ምህሮ ቁራኣን ጊንዳዕ ዘነውር ጸለመታት የብዝሕ ብምህላዉ፡ ቁጽሪ ዝስወሩ ዜጋታት ክውስኽ ከምዝክእል”ዮም ግምቶም ዝገልጹ።
ሓደ መዓልቲ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሕቱኡ ንምምላስ፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ምልካዊ ስርዓት ዘየዳግም ስጉምቲ ንምውሳድ ክትስእ ምኳኑ ኣጸቢቁ ዝርዳእ ጉጅለ ህግደፍ፡ መዓልታዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኸብድ ብምግባር፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣብ ናይ መወዳእታ ቃልሲ ምህላዉ ወሲኾም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ንጹናን ኣዴታት ዝተወስደ ናይ ምስዋር ስጉምቲ፡ ህግደፍ በጺሕዎ ንዝርከብ ጫፍ ውድቀት ዘረጋግጽ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።