
ካብ ፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ንምህዳምን ንምኽዋልን፡ ወትሩ ኣብ ናይ ኲናት ሃዋሁ ክነብር ዝመርጽ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንፖለቲካዊ ድኻማት ክልል ትግራይ ናብ ረብሑኡ ብምቅያር፡ ብስም ጽምዶ ናብ ኢትዮጵያ ዘቅነዐ ፖለቲካዊ ዕላማ ሓንጺጹ ይሰርሕ ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሰደድዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ምንጭታትና ኣብ ሓብሬቶኦም፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም መቀጸልታ ናይቲ ርክብ ህዝብታት እናበለ ዝገብሮ ዘሎ ተንኮላት፡ ንሎሚ ቀዳም ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ሰንዓፈ ዳስ ጽምዶ ተኺሉ ምህላውን፡ ድሮ ናብ ህዝቢ ስመጃና፡ ጉሎ”መኸዳ፡ ዓጋመን ኢሮብን ዕድመ ተላኢኹ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ተኻይዱ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
እዚ ንበዓለ ኣቡነ-ኣምበስ ምኽንያት ጌርካ ክግበር ዝተሓስበ ዳስ ጽምዶ፡ ብርክት ዝበለ ህዝቢ ዝእከበሉ ውራይ ንምምሳሉ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ተጌሩ ምህላዉ ወሲኾም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ጉጅለ ህግደፍ ከም ኣመሉ ድሌት ናይቲ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ”የ ዝብል ገበነኛ ስርዓት ሰላም ጥራሕ ምኳኑ ዝገልጹ ዕሱባት ካድራት ኣዳልዩ፡ ኣጋይሽ ኣብ ምቅባል ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሕቱኡ ዝምልስ መስርሓት ንከይክተልን፡ ሃገር ኣብ ጸገም ምህላዋ ተረዲኡ ንኽምለኽን፡ ወትሩ ኣብ ናይ ጥፋኣት መደባት ዝዋሳእ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፖለቲካ ጽምዶ ከም ናይ ሰላም ኣማራጺ ከምዝቅበሎ ብምግባር፡ ምፍጣጥ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ሰናይ ዕድል ተጠቂሙ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ዝእለየሉ መስርሓት ንምክያድ ኣብ ክቱር ድኻም ምህላዉ ዝፍለጥ”ዩ።