
ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ምስ ኵናት ትግራይ ብዝዛመድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኤርትራን ዘጽንዖ እገዳታት ከም ዘለውዎ ክቕጽል ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ ትማሊ ረቡዕ ብዶናልድ ትራምፕ ዝተፈረመን፡ ብዘለዎ ጸኒዑ ክቕጽል ዝተወሰነነሉን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ኲናት ትግራይ ናብ ካልኦት ከባብታት ተላቢዑ ኣብ ኣሻቓሊ ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ብናይ’ቲ ግዜ”ቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝሓለፈ እገዳ ኮይኑ፡ ዝተፈላለዩ እገዳታት ተፈጻሚ ብዝገብር ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ትራምፕ፡ ንዝቅጽል ሓደ ዓመት
ክናዋሕ”ዩ ወሲኑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ንምርግጋእ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣብ ስግኣት ዘእተወ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን፡ ንሱ ዘስዓቦ ኵነታትን፡ ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲታት ወጻኢ ኣመሪካን፡ ዘሻቕል ፍሉይን ስግኣት ከንጸላሉ፡” ከም ዝገበረ ዝግለጽ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብነበር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝጸንዐን፡ ተፈጻምነቱ ኣብ መስከረም 2025 ከብቅዕ ዝነበሮን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ comand post፡ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክቕጽል ዶናልድ ትራምፕ ውሳነ ምሕላፉ”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ነበር ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2021 ምስ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብዝተኣሳሰር፡ ግህሰታት ፈጺሞም ኣብ ልዕሊ ዝበሎም ውልቀሰባትን ትካላትን እገዳ ንምንባር ዘኽእል 14046 ዝተሰምየ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ከም ዘሕለፈ ይዝከር ኮይኑ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ፡ ኲናት ንክናዋሕ ግደ ናብ ልዕሊ ዘለዎም ኣካላት፡ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ዝዕንቅፉ፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ንኸይግበር ዕንቅፋት ኣብ ልዕሊ ዝኮኑ ውልቀሰባትን፡ ተሓተትቲ ወይ ተሓባበርቲ ኣብ ልዕሊ ዝኮኑ ኣካላትን እገዳ ክጸንዕ ዝፈቅድ ሕጊ ኮይኑ፡ እቲ ብቐንዱ ንሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራን ኣባላት ህወሓትን ዒላማ ዝገበረ እገዳ፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ጸኒዑ ምጽንሑ”ዩ ዝንገር።
እዚ ትእዛዝ እዚ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ፈጻሚ ትእዛዝ ዝዀነ ዲፓርትመንት ኦፍ ትሬጀሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ኵናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝተሳተፉ ሰበስልጣናት ሰራዊት ኢትዮጵያን ጉጅለ ህግደፍን፡ እገዳ ከም ዘንበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ንሓደ ዓመት ዝጸንዕ ብምዃኑ ድማ፡ ውሳነ ካብ ዝሓለፈሉ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ፡ ዓመታዊ ብፕረዚደንታዊ ትእዛዝ እንዳተሓደሰ ክመጽእ ምጽንሑ”ዩ ዝንገር።
ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ድንጋገ ህጹጽ ሃገራዊ ናይ ሓደጋ ግዜ ዝተመደበሉ ኣካል፡ ናይ እገዳ እዋን ቅድሚ ምብቅዑ ኣብ ዘለዉ 90 መዓልታት፡ ጸኒዑ ክቕጽል ዝገብር ሕቶ ክቀርብ ዘገድድ ኮይኑ፡ እንተዘይቀሪቡ ግን ተፈጻምነቱ ስለ ዘብቅዕ እዩ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዘለዎ ንኽቅጽል ደብዳበ ፈሪሙ ዝርከብ።
እዚ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ እዚ፡ ኣብ ደማዊ ኵናት ትግራይ ንዝተሳተፉ ኵሎም ኣካላት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ግህሰታት ዝፈጸሙን፡ ስምምዕ ምቁራጽ ትጻቦኦ ንከይፍረምን፡ ሰላም ከይፍጠርን ማሕለኻ ንዝኾኑን ዕላማ ብምግባር”ዩ፡ ንቤተ-ግምጃ ኣመሪካ ስልጣን ዝህብ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ናይ እገዳ ትእዛዝ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ኣመሪካ ንዝሓዘቶ መርገጺ ዘለዎ ቅረታ ብደብዳበ መልክዕ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ እዚ ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኽናዋሕ ተወሲኑሉ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ፡ ደማዊ ኵናት ትግራይ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ካብ ዝብል ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዝገማገመሉ ዘሎ እዋን ዝተወሰነ”ኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ዘንበረቶም እገዳ ከምዘለዎ ንክቅጽል ምውሳና”ዩ ትራምፕ ዝገልጽ።