
ግዚያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ምስራዝ ሕጋዊ ኣፍልጦ ውድብ ህወሓት ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፡ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ውድብ ህወሓት ፖለቲካዊ ፍታሕ ከናድየሉ ጸዊዑ።
ሃገራዊ ቦርድ መርጫ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ካብ ሕጋዊ ምዝገባ ንምእላይ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ተቐባልነት የብሉን ዝበለ ግዚያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ውድብ ህወሓት ሰሪዝናካ ኣለና ብምባል ጥራሕ፡ ብቐሊሉ ክትስጎ እትኽእል ተራ ውድብ ኣይኮነትን ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ጉዳይ ብቢሮክራስያዊ መንገዲ እምበር፡ ብፖለቲካዊ ኣገባብ ክፍታሕ ከምዘይክእል ብምጥቃስ”ዩ፡ ምርጫ ቦርድ ክሓስበሉ ጸዊዑ ዝርከብ።
ዝበዝሑ ምሁራን ኣካላት ትግራይ፡ ወላ ውን እቶም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝርከቡ፡ ምስ ውድብ ህወሓት ፍሉይ ርክብ ከምዝነበሮም ዝጠቀሰ እቲ ፕረዚደንት፡ ህወሓት፡ ታሪኻዊ ውድብ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ምስራጹ ቅኑዕ ከምዘይኮነ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መንጎ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ ብዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ከምዘለዎ ዝገልጽ ግዚያዊ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ውድብ ህወሓት ኣብቲ ብፍሉይ ኣካታዒ ምዝገባ ቦርድ ምርጫ ሰርቲፊኬት ረኺቡ”ኳ እንተሃለወ፡ ዘተ ምክያድ ግን እንኮ መፍትሒ ምኳኑ ከምዛኣምን”ዩ ዝገልጽ።
ምስራዝ ሕጋዊ ሰብነት ውድብ ህወሓት፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ዝገብርን፡ ንሰፊሕ ክፋል ማሕበረሰብ ፖለቲካ ትግራይ ክጓኒ ዝኽእልን ሓደገኛ ስጉምቲ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ እንኮ ፍታሕ ሰለማዊ ዘተ ምክያድ ጥራሕ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።