
መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ጀሚሩ ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ምገጓግ ከም ዝጅምር ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።
ውሳነ መንግስቲ ዓባይ ብርጣንያ፡ ብመሰረት እቲ “ሓደ ክኣቱ፡ ካልእ ይወጽእ” ዝብል ብሪጣንያ ምስ ፈረንሳ ዝገበረቶ ስደተኛታት ናይ ምምላስ ስምምዕ ዝትግበር ሓድሽ ፈተነ ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሰር ኬር ስታርመርን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኣማኑኤል ማክሮንን ኣብ ወርሒ ሓምለ ነዚ ስምምዕ እዚ ፈሪሞም ከምዘጽደቅዎ ውን”ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ከተማ ዶቨር ተኣሲሮም ከም ምህላዎምን፡ “ኣብ ቀረባ እዋን” ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ትጽቢት ከም ዝግበርን ውን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ኣብዚ ሰሙን ምግላጻ ዝዝከር”ዩ።
ብመሰረት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ናብ ፈረንሳ ክስጐጕ እዮም ዝብል ወግዓዊ መምርሒ ከም ዝተዋህበ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ብመሰረት እቲ ዝተኣትወ ስምምዕ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሰጎጉ ስደተኛታት እትቅበል ፈረንሳ፡ ማዕረ ቁጽሪ ናይቶም ክሰግሩ ዘይፈተኑን ምጽራይ ድሕነትን ብቕዓትን ክሓልፉ ዝኽእሉን ሓተቲ ዑቕባ ክትቅበል ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ብርክት ዝበሉ ዓቃባውያን ነቐፍቲ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተበጽሐ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ዘይሰርሕን ንምዝመዛ ዘጋልጽን”ዩ ብምባል ተቓውምኦም ዘስምዑ ኮይኖም፡ ኣባላት ባይቶ ውን ብተመሳሳሊ ንሓዳስ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ሻባና ማሕሙድ ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ሕቶታት ከቕርቡን ቅሬቶኦም ከቀምጡን ዕድል ከምዝተዋህቡ”ዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኩልኹ ዝገልጽ።
ክሳብ 13 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዚያት ጥራሕ፡ ኣስታት 31,027 ሓተትቲ ዑቅባ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣኒያ ምእታዎም ዝንገር ኮይኑ፡ እዚ ቁጽሪ እዚ ካብቲ ኣብ 2024 ዝተመዝገበ ቁጽሪ ናይ 22,440 ወሲኹ ከምዘለዎ”ዩ ዝንገር።
ጸሓፊት ውሽጣዊ ጕዳያት ነበር ይቨት ኩፐር፡ እቲ ውጥን ሓድሽ ፈተነ ንምግባር ዝዓለመ ምዃኑ ዝገለጸት ኮይና፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ውን ብወገኑ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ካብ ፈረንሳ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምምጻእ መደብ ዘለዎም ሓተትቲ ዑቅባ ብኸመይ ከም ዘመልክቱ ዘረድእ ዝርዝር ሓበሬታ ሓቲሙ ምህላዉ”ዩ ሓበሬታ ቢቢሲ ወሲኹ ዝገልጽ።
በዚ መሰረት ሕቶ ዑቅባ ዝረኸቡ ስደተኛታት ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ ምምጻእ መሰል ክወሃቦም ምኳኑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብመሰረት እዚ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ኣመልከትቲ ካብ ውሽጢ ፈረንሳ ናብቲ ዘመልክቱሉ ዘለዉ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጕዳያት መርትዖ ከቕርቡን ከመልክቱን ዝግደዱ ኮይኖም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ካብን ናብን ፈረንሳን ኢንግሊዝን ንዝግበር ምልውዋጥ ስደተኛታት ምሉእ ወጻኢታት መጓዓዝያ ክትኸፍል ተሰማሚዓ ምህላዋ ውን”ዩ ቢቢሲ ዘረድእ።