
ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ክነብር ዘይክእል ጉጅለ ህግደፍ፡ መቀጸልታ ናይቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ኲናት ምትኩታዃት፡ ተወላዶ ዓፋር ንዝኮኑ ኢትዮጵያውያን ዕጡቃት ኣብ በረካታት ኣፍዓበት ይዕልም ምህላዉ ምንጭታትና ካብ ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
እቶም ተወላዶ ዓፋር ዝኮኑ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ”ቲ ብዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ብልጽግና ቅሬታ ዘለዎም ተቓወምቲ ኣካላት ኮይኖም፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ደጀን ተኺሎም፡ ኣንጻር መንግስቲ ብልጽግና ዕጥቃዊ ቃልሲ ንኸካይዱ ብዘቅረበሎም ጻውዒት መሰረት ናብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዛኣተወ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ብወገን ደንከል ናብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣትዮም ኣብ ማርሳ ፋጥማ ድሕሪ ምትእኽኻቦም፡ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ምክትታል ደበሳይ ግደ ተማእኪሎም ናብቲ ኣብ ከተማ ኣፍዓበት በረካታት ታይዳብ ዝርከብ መዓስከር ከምዝተወስዱን፡ ስሩዕ ወተሃደራዊ ተዓሊም ኣብ ምውሳድ ምህላዎምን”ዮም ዝገልጹ።
እቲ ብማእከልነት ደበሳይ ግደ እንዳተመርሐ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ተዓሊም፡ መቀጸልታ ናይቲ ጉጅለ ህግደፍ ንዝሓለፉ ልዕሊ 25 ዓመታት ክኽተሎ ዝጸንሐ ተቃወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብምስልጣንን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፈደራል ሓደጋ ናይ ምፍጣርን ስትራተጂ ምኳኑ ዝጠቀሱ ምንጭታትና፡ ኣቀድም ኣቢሉ ናይ ቀዳማይ ዙር ስሩዕ ወተሃደራዊ ስልጠና ከምዘካየደን፡ ኣብዚ ሰሙን ውን 2ይ ዙር ምስልጣን ተዓለምቲ ጀሚሩ ምህላዎን”ዮም ዘረጋግጹ።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ንዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ከይረሓቀን ሰላም ዝፈጥር ስጉምቲ ከይወሰደን ሃዋኪ ተግባራት ኣብ ምፍጻም ምህላዉ፡ ማንም ዝፈልጦ ምኳኑ ኣብ ሓበሬቶኦም ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ተግባራት እቲ ጉጅለ ኣብ ኲናት ወረ ኲናትን ተሓቢእካ ሕቶ ህዝቢ ብምጉሳይ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕ ዝዓለመ ጥራሕ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
ጉጅለ ህግደፍ ካብ ድሕሪ ናይ 1998 ኲናት ኢትዮኤርትራ ኣትሒዙ፡ ከም ደምሒት፡ ጉንበት ሰባት፡ ኦነግ፡ ዑጡቃት ሓይልታት ዓፋርን ካሎኦት ተቃለስቲ ቢሄር ቢሄረ ሰባት ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራ እንዳዕቆበ፡ ስልጣኑ ንምህላውን ኢትዮጵያ ንምርባሽን ክሰርሕ ምጽንሑ ዝገልጹ ምንጭታትና፡ ስልጣኑ ንምውሓስን ሓደጋ ንምቅናስን ብዝብል ዕላማ፡ ቢሊዮናት ዶላራት ዝትመን ሃብቲ ሃገር፡ ንኢትዮጵያውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ከባክን ምጽንሑ፡ ህግደፍ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ንዝኮነ መንነቱ ዝያዳ ዘነጽር ምኳኑ”ዮም ዝጠቅሱ።