
መርማሪ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ እተካይዶ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ገበናት ምጽናት ዓሌት ወይ (genocide) ከምዝፈጸመት ገሊጹ።
ብመሰረት ዓለማዊ ሕጊ ካብ ዝተቐመጡ ሓሙሽተ ባእታታት ምጽናት ዓሌት፡ እቶም ኣርባዕተ ገበናት፡ ኲናት ቃዛ ኣብ 2023 ካብ ዝጅምር ኣትሒዞም ስለዝተፈጸሙ፡ እቲ ብይን ርትዓዊ ምኽንያት ከምዘለዎ ኣብቲ ዝሰፈረ ሓድሽ ጸብጻብ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ መግለጺታት መራሕቲ እስራኤል፡ ኣካይዳ ሰራዊት እታ ሃገርን ውን፡ ከም ጭቡጥ መርትዖ ንሃቐነ-ምጽናት ዓሌት ከምዝረጋግጽ”ዩ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ነቲ ብውድብ ሕብራት ሃገራት ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ዝተዛበዐን ኣብ ሓሶት ዝተመስረትን’ዩ ብምባል ከምዝነጸጎ ዘፍለጠ ኮይኑ፡ እስራኤል ብወገና፡ ኣብቲ ኮሚሽን ዝነበሩ ሰለስተ ክኢላታት፡ ወከልቲ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ኮይኖም ከምዘገልግሉን፡ ምሉእ ብምሉእ ንሓማስ ዘለዎም ውግንና ዘነጸሩን”ዮም ብምባል፡ ንዝተዋህበ ጸብጻብ ክትቅበሎ ከምዘይኮነ”ያ ተረጋግጽ።
1200 እስራኤላውያን ዝቀተለ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ፡ ኣብ እስራኤል ፈተነ ምጽናት ዓሌት ዝፈጸመ ውድብ’ዩ ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣስዒቡ፡ ሰባት ብምቕታል፡ ደቂ ኣንስትዮ ብምዕማጽ፡ ህይወት ስድራቤታት ብምቅጻልን፡ ኣይሁዳውያን ናይ ምጥፋእ ዕላማኡ ብግልጺ ንዝኣወጀ ጉጅለ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ምስ ገበናት ምጥፋእ ዓሌት ዝዛመድ ከምዘይኮነ”ዩ ዝግለጽ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ንዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ኣብ ቃዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከካይድ ምጅማሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብሓማስ ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፡ ብወገን እስራኤል 1200 ሰባት ክሞቱን፡ 251 ድማ ብሓማስ ጅሆ ክትሓዙን ምክንያት ምንባሩ”ዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ ፍጻመ 7 ጥቅምቲ 2023 እስራኤል ኣብ ቃዛ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 64,905 ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ወሽመጥ ጋዛ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ዝበዝሐ ህዝቢ ጋዛ ተመዛቢሉ፡ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ኣባይቲ ዓንዩ፡ ስርዓተ ክንክን ጥዕና፡ ማይ፡ ጽሬትን ካልእን ውን እቲ ኲናት ብዘስዓቦ ኩነታት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዉን፡ ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውን፡ ኣብ ከተማ ቃዛ ጥሜት ከምዘጋጠመ ምእዋጆምን”ዩ ዝግለጽ።
መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ኣብ 2021 ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተን፡ ንኹሉ ተፈጺሙ ዝበሃል ጥሕሰት ሰብኣዊ ሕግታትን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ንምምርማር ዝቆመ ኮይኑ፡ እስራኤል ን4 ካብ 5 መትከላት ገበን ምጽናት ዓሌት ብምፍጻማ፡ ዘሪኢ ናይ ምጽናት ገበን ምፍጻማ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
እቲ ኮሚሽን ኣቐዲሙ፡ ሓማስን ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ፍልስጤምን፡ ኣብ 7 ጥቅምቲ 2023 ገበናት ኲናትን፡ ከቢድ ጥሕሰት ዓለማዊ ሕጊን ከምዝፈጸሙ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ እስራኤል ብተመሳሳሊ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ገበናት ኲናትን ከምዝፈጸሙ ወላ”ኳ እንተገለጸ፡ እስራኤል ውጹእ ጸለመ ምኳኑ ብምግላጽ”ያ ኮኒናቶ ትርከብ።