
ንኲናት ኣብ ዝዳለወሉ ግዜ ዘገድስዎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ማእሰርቲ ብምፍታሕን ካብ ምድስካል ናብ ንጡፍ ስራሕ ብምምላስን ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ድሃይ ኣጥፊኡ ንዝጸንሐ ወዲ ፊተውራሪ ናብ ንጡፍ ስራሕ መሊስዎ ምህላዉ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ ገሊጾም።
ጉጅለ ህግደፍ ብ16 መስከረም 2025፡ ኣዘዝቲ ክ/ለ ሰራዊት፡ ሰበስልጣናት ስርዓት ህግደፍን፡ ካልኦት ኣካላት ማሓዉር መንግስቲን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣጋጣሚ፡ ብሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልድየሃንስ ዝምራሕ ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየደ ዝገለጹ ምንጭታትና፡ ወዲ ፊተውራሪ ኣብቲ ኣጋጣሚ ክርከብ ምኽኣሉ ንብዙሓት ሕቶ ፈጢሩ ምውዓሉ”ዮም ዝገልጹ።
ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን መሳርሕቱን ምርድዳእ ከምዘይነበሮ ዝፍለጥ ወዲ ፊተውራሪ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ፈጺሙ ደሃዩ ዘይተሰምዐን፡ ተኣሲሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ዝነበረን ኮይኑ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ፍጹም ድሃዩ ሃጢሙ ድሕሪ ምጽንሑ ሃንደበት ኣብ ርክብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ክርከብ ምኽኣሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንዝደልዮ ዕላማታት ከፈጽም ተባሁሉ ምምላሱ”ዮም ምንጭታትና ዝገልጹ።
ንህዝቢ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብፍላይ ከኣ ንህዝቢ ዓፈር ምእታው ምውጻእ ብምኽላእ ስልጣኑ ንምውሳኽ ዝቃለስን፡ ምስ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ጽቡቕ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉን ወዲ ፊተውራሪ፡ ብደረጃ መዓርግ ብዝኮነ ይኹን መዕቀኒ ምስቶም ኣብቲ ርክብ ዝተሳተፉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዘይመጣጠን ኮረኔል ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዕለት 16 ርክብ ብፍቃድ ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ 3ይ መራሒ ኣኬባ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኮይኑ ምምጹኡ፡ ንብርክት ዝበሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ክወሓጠሎም ከምዘይከኣለ”ዮም ኣብ ሓበሬቶኦም ዝጠቅሱ።
ጉጅለ ህግደፍ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣኪቡ ዝገብሮ ዘሎ ዘተ ምስ ናይ ኲናት መደባት ዝተሓዝ ክኸውን ከምዝክእል ዝገለጹ ምንጭታት ውሽጢ ዓዲ፡ ዕላማ ናይቲ ኣኬባን ዝርዝራዊ ሓበሬቱኡን ኣብ ቀጻሊ ክገልጽዎ ምኳኖም”ዮም ዝገልጹ።