
ኣብዚ እዋን’ዚ ንከተማ መቐለ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ፡ ውድባዊ መድረኻት ይካየዱ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ብህወሓት ዝተጸውዐ ኣኼባታት ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዘምርሕ ኩነታት ከየስዕብ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ።
ሓላፊ ክፍሊ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ኣቶ እያሱ ተስፋይ፡ ብዛዕባ እቶም ዝካየዱ ዘለዉ ዋዕላታት ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝመለሰሉ ኣጋጣሚ፡ ‘ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ልኡላውነትናን ድሕነትናን ነውሕስ’ ዝብል ዕላም ዝሓዘ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ መድረኻት ምስ መንግስቲ ፈደራል ናብ ግጭት ዝዕድሙ ዲዩ ተባሂሉ ንዝቀበረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ ኣይትግበርን ዘሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብመንግስቲ ፈደራል ነጋሪት ኲናት ይስማዕ ኣሎ፡” ድሕሪ ምባል ግጭት ዝደሊ ዘሎ ሓይሊ እቲ ስልጣን ፈደራል ሒዙ ዘሎ ኣካል ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ግዝኣታዊ ሓድነትን ትግራይ ክምለስን፡ ተመዛበልቲ ዝርከብሉ ኵነታት ህጹጽ ምላሽ ክረክብን፡ ህዝቢ ብፍሉይ ይሓትት ከም ዘሎ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ትግራይ ካላኣይ ዙር ኲናት ከይካየድ ምልክታት ከቢድ ህዝባዊ ሻቕሎት ምህላዉን፡ ብላዕለዎት መራሕትን ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ዝምርሑ፡ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ኣባላት ህወሓት ውን ኣኼባታት የካይዱ ምህላዎም ብምጥቃስ ቢቢሲ ንኣቶ እያሱ ዝሓተተ ኮይኑ፡ ኣቶ እያሱ ግን፡ ህወሓት ሃለዋት ህዝብናን ልኡላውነት ትግራይን ዝረጋገጽ፡ ኣብ ስጡም ህዝባዊ ሓድነት ምዃኑ ብተገንዚቡ፡ ብሄራዊ ዓቕምታቱን ውዳበታቱን ንዘሐይሉ ናይ መጻኢ መደባት መሰረት ገይሩ ዝዝቲ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ትግራይ ዳግማይ ናብ ግጭት ንምእታው ድላይ ከምዘይብላ”ዩ ዝግለጽ።
ተወዲብና ድምጽና ነስምዕን፡ ማሕበረሰብ ዓለም’ውን ድምጽና ክሰምዓናን ኢና ንጽውዕ ዘለና ዝበለ ኣቶ እያሱ፡ ህዝቢ ስምዑና፡ ኲናት ኣያዋጽኣናን እዩ ዝብል ዘሎ፡ ብምባል ትግራይ ሰላም ትደሊ ምህላዋ ገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ግፋ ይካየድ ምህላውን፡ ኣብቲ ኣኼባታት’ውን ደቅኹም ሃቡና ዝብሉ ጻውዒታት ይቀርብ ምህላዉን ኣመልኪቱ ሓሳቡ ዝሃበ ኣቶ እያሱ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝካየድ ዘሎ ሰነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ዘንቀሎ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ኣብህዝቢ ራዕዲ ንምፍጣር ጥራሕ ከሙኡ ይግበር ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ቅድሚ እቲ ኣብ 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት፡ ዝነበሩ መግለጺታትን ወተሃደራዊ ምርኢታትን ዝዝክሩ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ወፍሪ ብሄራዊ ሓድነት ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላታት፡ ናብ ተመሳሳሊ ግጭት ከየምርሕ ሻቕሎት ፈጢሩሎም ምህላዉ ዝገልጹ ኮይኖም፡ ከም ሳዕቤኑ ብዙሓት መንእሰያት ኣደዳ ስደት ክኾኑ ይግደዱ ምህላዎም”ዩ ዝንገር።
ኣካል መንግስቲ ፈደራል ዝዀነ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ሕጋዊ ሰብነት ህወሓት ድሕሪ ምስራዙ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ዘሎ ርክብ ወጥሪ ዝመልኦ ኰይኑ ምህላዉ ዝጠቀሰ እቲ በዓል ስልጣን፡ ብፍላይ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ኽልተ ድሕሪ ምምቃሉ፡ እቲ ብምክትል ኣቦ-መንበር ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ብዕጡቓት ህወሓት ተደፊኡ’ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኸደ ብምግላጽ፡ ውድብ ስምረት ትግራይ ብዝብል ስም ክንቀሳቐሱ ምጽንሑ”ዩ ከም ምኽንያት ዘቐምጥ።
ድሕሪ”ቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዝተፈጥረ ዘይምቅዳው፡ ህወሓት እቶም ኣብ ዶባት ዓፋር ዝርከቡ ዕጡቓት፡ ምስ እቲ ብብዓል ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ውድብ ስምረት፡ ርክብ ኣለዎም ክብል ዝኸስስ ኮይኑ፡ ዕጡቃት ሓራ መሬት ክልል ዓፋር፡ ሰለስተ ግዜ ውን ምስ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ናብ ግጭት ምምርሖም ዝዝከር እዩ።