
ጉጅለ ህግደፍ ትማሊ ኣማስዩኡ ብመንገዲ ናይ ሚዲያ ወሃቢ ቃሉ የማነ ቻርሊ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ፡ ብጉዳይ ዋንነት ኣፍደገ ዝከይድ ዘሎ ቁርቑስ ኣብ ዝለዓለ ደረጁኡ ምብጽሑ ገሊጹ።
ሚኒስተር ሚኒስትሪ ሓበሬታ ጉጅለ ህግደፍ ዝኮነ የማነ ቻርሊ፡ ኣብቲ ብመንገዲ ውልቃዊ ናይ ትዊተር ሕሳቡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ፡ ሃገራዊ ሉኡላውነት ንምድፋርን፡ ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይጽወር ዞባዊ ቅልውላው ንምፍጣርን፡ ንኢትዮጵያ ብዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽፍና ዝካየድ ዘሎ ውጥረትን ፖለቲካዊ ብስጭትን፡ ምናልባት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ክከውን ይክእል”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብጽብጽ ሓደገኛ ኲናት ንምውላዕ ይሰርሕ ምህላው ከሲሱ።
መንግስቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ፡ መዓልታዊ ዝካየድ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምልዕዓል፡ ምድምሳስን ምጥምዛዝን ታሪኽ ኤርትራ ወላ ውን ብላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ስርዓት ብልጽግና ከይተረፈ ሓደገኛ መግለጺታት ይስማዕ ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ምጥሓስ መግዛእታዊ ዶባትን መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ኮነ ኢልካ ይፍጸም ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ሸለልትነት ዝሓወሰ ናይ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ መግለጺታትን፡ ዞባዊ ቅልውላዋት ንምፍጣን ዝዓለመ ምንቅስቃሳትን፡ ብዙሕ ውሽጣዊ ብድሆታቱ ብምክዋል ኣቓልቦ ንምስሓብ ዝካየድ ቀዳምነታትን ባህሪ መራሕቲ ኢትዮጵያን ምኳኑ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተወሳኺ ዘየድልን ደው ክብል ዝኽእልን ግጭትን ህውከትን ምውላዕ ኣድላዪ ከምዘይኮነን ነዚ ዞባ ከምዘይግቦኦን”ዩ ዝግለጽ።
ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሕ ኣድካሚ ጸገማት ዘጋጠሞን ካብ ህውከት ዘየዕረፈን ዞባ ምኳኑ ዝጠቀሰ የማነ ቻርሊ፡ ንህዝቢ እዚ ዞባ ዘለዎም ልባዊ ሰናይ ድሌት ዝገልጹ ኩሎም ኣካላት፡ ብዘየማትእ መንገዲ ከሕልፍዎ ዝግባእ ዘየማትእ መልእኽቲ ሰላም ምኳኑ”እዩ ዝገልጽ።
ወትሩ ኣብ መግለጺታቱ፡ ምንጪ ሰላምን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሲሉ ክረአ ዝፍትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብዚ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ኣትዩዎ ዘሎ ምፍጣጥ ዲፕሎማስዪዊ ዓወታት ንምውሓስ ኣበርቲኡ ይጽዕር ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምስ ሓይልታት ፋኖ ህወሓትን ኦነግን ዝግበሮ ዘሎ ኩሉ ሓይነት ምውህዳን ጣልቃ ምእታውን ንጎኒ ጎስዩ፡ ኢትዮጵያ ዓለምለካዊ ሕጋጋት ትጥሕስ ምህላዋን፡ ዓገብ ክትበሃል ከምዝግባእን”ዩ ዝኸስስ።
ምስ ሓይልታት ፋኖ ሕወሓትን ኦነግን፡ ካብ ኤርትራ ክሳብ ኢትዮጵያ ዝዝርጋሕ መስመራት ተኺሉ፡ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ኣብ ምግባርን መንግስቲ ብልጽግና ንምውጋድን ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ንጉዳይ ባሕሪ ከም ምኽኒት ኣቀሚጡ ንምእላይ ኢሰያስ ተበጊሱ ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ዲፕሎማስያዊ መክሰባት ክምንጥሎ ይቃለስ ምህላው”ዩ ዝፍለጥ።