
ሓያሎ ሃገራት ዓለም፡ ንሃገርነት ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ናብ ዝህባሉ ዘለዋ እዋን፡ ፈረንሳ ውን ኣፍልጦ ሃገርነት ፍሊስጤም ምእዋጃ ኣፍሊጣ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ንሰላም ዝኸውን ግዜ ኣኺሉ’ዩ” ዝበለ ኮይኑ፡ ደጊም ኣብ ቓዛ ንዝካየድ ዘሎ ኲናት ምኽንያታዊ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን ብምባል፡ ሃገሩ ወግዓዊ ኣፍልጦ ሃገር ፍሊስጤም ምእዋጃ ገሊጹ።
ፈረንሳን ስዑዲ ዓረብን ብሓባር ብምኳን፡ ግጭት ፍሊስጤምን እስራኤልን ደው ከብል ከም ዝኽእል ዝእመንሉን ኣብ ‘ፍታሕ ክልተ ሃገራት’ ዘተኰረን እማመ፡ ኣብ ዋዕላ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት የካይዳ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ኣባላት ጕጅለ-7 ዝዀና ጀርመን ኢጣልያን ኣመሪካን ግን ኣብቲ ዋዕላ ኣይተሳተፋን።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ፖርቱጋልን ብሰንበት 21 መስከረም 2025 ንሃገርነት ሃገረ ፍሊስጤም ወግዓዊ ኣፍልጦ ከም ዝሃባ ድሕሪ ምግላጸን፡ ቤልጅም፡ ሉክሰምበርግ፡ ማልታ፡ ኣንዶራን ሳን ማሪኖን እውን ንሃገር ፍልስጤም ኣፍልጦ ከም ዝህባ ፕረዚደንት ማክሮን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒኑ እቲ ሎሚ እቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምክንያታውነት ይስእን ምህላዉ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ሰፈራታትን፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዝጸንሐ ኣህጉራዊ ጸቕጢ ክዓቢ ጌርዎ ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡ እስራኤል ግን ንሃገርነት ሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ ማለት፡ ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣካይዱ፡ ኣስታት 1,200 ሰባት ክሞቱን 251 ድማ ጅሆ ክተሓዙን ምክንያት ዝኮነ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ፡ ሽልማት ምሃብ እዩ ክትብል እያ እትገልጾ።
ካብ ጽባሕ 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ብዝተኻየደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ልዕሊ 65,000 ፍልስጤማውያን ብእስራኤል ከም ዝተቐትሉ፡ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ዝሓበረ ኮይኑ፡
ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ሓይልታት እስራኤል ነታ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ ቓዛ ንምቍጽጻር ናይ ኣጋር ሰራዊት መጥቃዕቲ የካይዱ ከም ዘለዉን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ውን ዓጸቦ ተኸሲቱ ምህላውን ከም ዝተረጋገጸን ዝፍለጥ”ዩ።
መራሒ ፈረንሳ ማንዌል ማክሮን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ደው ዝብለሉን ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ዝልቀቕሉን ግዜ ከም ዝኣኸለ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ጉዳይ ፍሊስጤም መወዳእታ ኣልቦ ኲናት ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ ኩሉ ግዜ መሰል ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ክዕወት ኣለዎ ክብል”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።