
ኢትዮጵያን ኬንያን ድሕሪ 62 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዓቢ ወተሃደራዊ ምትሕብባር ክህልወን ስምምዕ ምፍራመን ተገሊጹ።
እቲ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝተኸተመ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ኬንያ ኣብ 1963 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ ንዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ስምምዓት ስዒቡ፡ ኣብ ሞንሆ ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ብደረጃ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተፈረመ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ስምምዕ ምዃኑ ዝተነግረ ኮይኑ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን፡ ሓላፊ ስታፍ ምክልኻል ኬንያ ጀነራል ቻርለስ ሙሪዩ ካሃሪሪን ድሕሪ ዘካየድዎ ክልተኣዊ ዝርርባት፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ብሓባር ክሰርሓሉ ኣብ ዝኽእለን ጽላታት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምግባር ኣብ ስምምዕ ምብጽሖምን፡ ፌርሞኦም ከምዝዘንበሩን”ዩ ጸብጻብ voa ዝገልጽ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ምክታም ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስምምዓት፡ ካብ ካልኦት ሃገራዊ ስምምዓት ብዝተፈልየ መንገዲ፡ ስትራተጂካዊ ዕማማት ብሓባር ንምስራሕ ዝሕግዝ መንገዲ ምኳኑን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዝምድናን ምትእምማንን እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ዝተፈረመ ዓቢ ዓወት ከምዝኮነነ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ትካላት ምክልኻል ኬንያን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ዓውድታት ክተሓባበሩ ከምዝጸንሑን፡ ተጀሚሩ ዘሎ ሓባራዊ ክልተኣኣዊ ምትሕብባር ውን ካብዚ ንላዕሊ ክዓብን ክቅጽልን ከምዝኮነ”ዩ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝገልጽ።
ሓለቓ ስታፍ ምክልኻል ኬንያ ጀነራል ቻርለስ ሙሪዩ ካሃሪሪ ብወገኑ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝተገብረ ወተሃደራዊ ስምምዕ ኪኖ ክልቲአን ሃገራት ንሰላምን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ረብሓ ከምዘለዎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብ መጻኢ ሃገራዊ ሰራዊት ኬንያ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓቢ ምትሕብባር ንምክያድ ተወፋይነት ከምዘለዎ”ዩ ዝገልጽ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ ኣብ ዝፈረሞ ወተሃደራዊ ስምምዓት፡ ክልቲኤን ሃገራት ወተሃደራዊ ሓበሬታ ኣብ ምልውዋጥ፡ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ ምክያድ፡ ወተሃደራዊ ኢንዱስትርያዊ ስልጠና ኣብ ምሃብ፡ ጸረ-ሽበራ፡ ጸጥታ ዶባትን ካልኦት ተዛመድቲ ወተሃደራዊ ጉዳያትን፡ ብሓባር ክሰርሓ ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሑ”ዩ ዝግለጽ።