
ሓይልታት እስራኤልን፡ ዕጡቓት ሓማስን ተወዳዲቦም ናብ ማእከል ከተማ ቓዛ ይቀርቡ ብምህላዎም፡ ኣብ ውሽጢ ከተማ ቃዛ ውግእ ከይካየድ ሻቕሎት ፈጢሩ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ኣጋር ሰራዊት መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ካብታ ከተማ ክሃድሙ ተገዲዶም ምህላዎምን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ውን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ጸቅጢ ኣብ ምግባር ከምዝርከብን ተደጋጋሚ ግዜ ወላ”ኳ እንተተገልጸ፡ እስራኤል ግን ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ንእትብላ ከተማ ቃዛው ከተጥቅዕ ዝደረኻ ምክንያት፡ ኣሸበርቲ ንምውጋድን ዝተረፉ 48 ጅሆታት ዝተታሕዙ ዜጋታታ ንምድሓንን ምዃኑ”ያ እትገልጽ።
ካብ ማእከላይ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ ኣስታት 1.5 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መካበብያ ሓሚድ፡ ታንኪ እስራኤል ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ከም ዝተዓዘበ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ድሩዓት ወተሃደራውያን መካይን እስራኤል’ውን ኣብ ጥቓ’ቲ ካብ ማእከል ከተማ ኣስታት 700 ሜትሮ ጥራሕ ርሒቑ ዝርከብ ቀንዲ ቀጽሪ ሕቡራት ሃገራት ይረኣያ ብምህላወን፡ ኣብታ ከተማ ከቢድ ናይ ከተማ ኲናት ከይውላዕ ስጋኣት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ሓደ መራሒ ሓማስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለመሕተት፡ ዕጡቅ ጕጅለ ሓማስ ኣሽሓት ዕጡቓት ሰራዊቱ ናብታ ከተማ ንምእታው መደብ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣሰካፊ ምንቅስቃስ ሰራዊት እስራኤል ተሓዊስዎ፡ ኣብቲ ሓያሎ ሰለማውያን ሰባት ዝቕመጥሉ ከባቢታት ጋዛ ከቢድ ውግእ ከይካየድ ስግኣት ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓማስ ዑዘዲን ኣል-ሓዳድ ብወገኑ፡ ኣብ ስግር ወሽመጥ ጋዛ ንዝርከቡ ኩሎም ዕጡቓት ሓማስ፡ ናብታ ከተማ ክቐርቡን ንናይ መወዳእታን ወሳንን ውግእ” ክዳለዉን ከም ዝነገሮም ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሰራዊት እስራኤል ክሳብ 3,000 ዕጡቓት ሓማስ ኣብታ ከተማ ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ እኳ እንተኮነ፡ ሓማስ ግን 5,000 ዕጡቓት ከም ዘለዉዎን ኣብታ ከተማ ነብሰ-ቕትለታዊ መጥቃዕቲታት ከም ዝፍጽምን”ዩ ዘጠንቅቕ።
ወተሃደራዊ ሓላፊ ሓማስ ነበር መሓመድ ደይፍ ብእስራኤል ቅድሚ ምቕንጻሉ፡ ሓይልታቱ ንዘጋጠሞ ዘሎ ኣዕናዊ ክስራታት ንምቕላል፡ ድብያ ከም ወተሃደራዊ ስልቲ ኲናት ክጥቀሙ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ምንባሩ ዝንገር ኮይኑ፡እስራኤል ድሕሪ”ቲ መግለጺ ብቅልጡፍ ኣብ ውሽጢ ከተማ ብምድብዳብ ግብረመልሲ ከም ዝሃበትን፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ንድሕሪት ከም ዘንሰሓበትን”ዮም ነበርቲ ቓዛ ዝሕብሩ።