
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ናብ ግጭት ንክኣትው ዝደፍእ ምኽንያት ከም ዘየለን፡ ሓይልታት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ መሬት ሶማል “ናይ ውክልና ኲናት” ከካይዱ ሶማል ከምዘይትፈቅድን ኣፍሊጡ።
ሃገሩ “ኣብ ሉኡላዊ ግዛኣታ” ናይ ውክልና ኲናት ክህሉ ከም ዘይትፈቅድ ንቢቢሲ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቀሰ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡
ክልተአን ሃገራት ናብ ግጭት ክኣትዋ እንተ ደልየን ካብ ሶማል ወጻኢ ናብ ግጭት ከምርሓ ከም ዝኽእላ ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ናይ ክልተአን ሃገራት ኣብ መሬት ሶማል ኣብ ቀረባ ርሕቀት ስለ ዘየለዉ ጥራሕ ግን፡ ናብ ግጭት ከምርሑ ዝዕድም ዝኮነ ይኩን ተክእሎ ከምዘየለ”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ናይ ኣማኢት ኪሎሜተራት ርሕቀት ከም ዘሎ ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ “ግብጺ ንኢትዮጵያ ክትርብሽ እትደልየሉ ምኽንያት ኣይርኣየንን ድሕሪ ምባሉ፡ ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ንናይ ግብጺ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ግብጺ እትርብሽሉ ምኽንያት ዘይምህላዉ”ዩ ዝብርህ።
ሰራዊት ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ንሶማል ናብ ዓውደ ውግእ ዝቕይር “ናይ ውክልና ኲናት” ከካይዱ ዘክእሎም ዕድል የለን ዝበለ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ምፍጣጥ ክልቲኤን ሃገራት ንግጭት ዝዕድም እንተኮነ ውን፡ ሃገሩ ኣብ መሬታ ክኸውን ከም ዘይተፍቅድ”ዩ ኣስሚሩሉ።
ሃገርና ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቀጸለ ኲናት ስለ ዘዳከማ፡ ተወሳኪ ኲናት ናይ ምእንጋድ ድላይ የብላን ዝበለ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ንሕና ናይ ገዛእ-ርእስና ጸገማትን ኲናትን ስለዘለና፡ ካልኦት ሃገራት ኣብዚ መጺአን ክዋግኣ ኣይንደልን፡ ፈጺሙ ውን ኣይከውንን ክብል”ዩ ዝገልጽ።
መንግስቲ ሶማል ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣስታት 11 ሽሕ ሰራዊት ንምርግጋእ ሶማል ከም ዝተቀበለ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡
ወኪል ሶማል ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ዝጸደቐሉ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ምምቕራሕ ሰራዊት ብኽልተኣዊ ስምምዕ ዝውሰን ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ውን ዝፍለጥ።
ኣካል ተልእኾ ዓቃብ ሰላም ሶማል ብምኳን ሰራዊተን ዝለኣካ ኢትዮጵያን ግብጽን፡ ብምኽንያት ህንጸት ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሶማል ናብ ግጭት ከምርሕ ይክእል”ዩ ዝብል ስክፍታ ፈጢሩ ምጽንሑ ውን ዝፍለጥ”ዩ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብስም ዓቃብ ሰላም ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ኣብ ሶማል ምጽንሑ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብኣንጻሩ ሰራዊት ግብጺ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተፈጥረ ከቢድ ፍሕፍሕ ናብ ሶማል ምእታዉ፡ ምስ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ ምክንያት ክህልዎ ክክእል”ዩ ዝብል ስጋኣት ፈጤኡ ምጽንሑ”ዩ ዝእመን።
ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ኢትዮጵያ ምስታ ኣብ ታሕሳስ 2016 ናጽነታ ዝኣወጀት ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ናይ ዋንነት ወደብን ን50 ዓመታት ዝጸንሕ ኣፍደገ ባሕርን ስምምዕ ብምፍራማ፡ ምስ ሶማል ኣብ ምትህልላኽ ኣትያ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ግን፡ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ በጺሐን ኣብ ሞንገአን ተወሊዑ ዝጸንሐ ወጥሪ ምህዱኡ ዝዝከር”ዩ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ባሕሪ ኣልቦ ዝዀነት ሃገረ ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ተጠቃምነት ኣገልግሎት ወደብ ክትረክብ ዘለዎ እምነት
ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሶማልያን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ኣገልግሎት ወደብ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ይቕጽል ከም ዘሎን ገና ውን ኣብ መደምደምታ ከም ዘይበጽሑን”ዩ ዝሕብር።
ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምስሕሓብ ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ወደብ ሶማል ተኻርያ ክትጥቀም ሶማል ፍቃደኛ ምኳና”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቅስ።