
ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን ዝተከስተ ሓደጋ ዕልቅልቅ ካብ ኣባይ ግድብ ዝብገስ”ዩ ክትብል ግብጺ ንዘቅረበቶ ክሲ፡ መሰረት ኣልቦ ጠቀነ”ዩ ክትብል ነጺጋቶ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ህንጸቱ ተዛዚሙ ዝተመረቐ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ምስ ግብጺ ንዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣጋዲዱዎ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ
ምረቓ እቲ ግድብ ሓባራዊ መርገጺ ዝወሰዳ ግብጽን ሱዳንን ዘራኣዮኦ ተቃውሞ፡ ክሳብ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ- ሕቡራት ሃገራት በጹሑ ኣርእስቲ ኮይኑ ድሕሪ ምጽንሑ”ዩ፡ ኢትዮጵያ ካብ ግብጺ ንዝቀረበ ክሲ ከምዝነጸገቶ ኣፍሊጣ እትርከብ።
ግብጺ ካብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ብዘይግቡእ ኣተሓሕዛን ኣተኣላልያን ዝተፈነወ ማይ፡ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዕልቕልቕ ኣስዒቡ ክትብል ዝከሰሰት ኮይና፡ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ነቲ ካብ ግብጺ ዝተሰምዐ ክሲ፡ “ሓሶትን ብተንኰል ዝተመልአን” ውጹእ ጠቀነ ምኳኑ”ዩ ግብረመልሲ ሂብሉ ዝርከብ።
ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንተዘይህሉ ነይሩ፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ከበሳታት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ህይወት ደቂ ሰባትን መሰረተ ልምዓትን ከቢድ ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል ከም ዝነበረ ዝጠቀሰት ኢትዮጵያ፡
ሚኒስትሪ ሃብቲ ማይን መስኖን ግብጺ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ዝተኣልመን፡ ከምኡ’ውን ናይ ናይ ሓሶት ትረኻ ተበዳልነት ንምፍጣር ዝዓለመ ምኳኑ”ያ ትገልጽ።
ግብጺ ብዓርቢ 23 መስከረም ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ “ዘይሕጋዊ” ምኳኑን፡ እዚ ዘስዕቦ “ኢንዱስትሪያዊ ውሕጅ” ዕሽሽ ብምባል ዝተፈነወ ማይ ኣብ ሱዳን ብርቱዕ ሓደጋ ከምዘብጽሐን”ያ ትኸስስ።
ግብጺ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተመረቐሉ መዓልቲ፡ ካብቲ ግድብ ዝውሕዝ ማይ ንምርኣይ ኣብ ዝተገብረ ፈተነ፡ ልዑል መጠን ሒዙ ከም ዝነበረን ብርቱዕ ማይ ከምዝተፈነወን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ድሕሪ’ቲ ምረቓ ኣብ ዝነበረ መዓልታት፡ ኣካየድቲ እቲ ግድብ ኣብ ሓደ መዓልቲ 485 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜተር ዝኣክል ልዑል መጠን ማይ ክፈስስ ከም ዝወሰኑ ብምዝርዛር ሓደጋ ከምዝወረደ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ በዚ መንጽር ምሕደራ እቲ ግድብ ግቡእ ቁጽጽር ዘይግበረሉን ኢደ-ወነናዊ ምዃኑን ንምርግጋጽ እኩል ምኳኑ ብምግልጽ”ዩ ንኢትዮጵያ ዝከስስ።
ግብጺ ወሲካ፡ ብሰንኪ እቲ ሃንደበታዊ ምፍናው ማይ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ መሬት ሕርሻን ዓቢ ዕንወት ከምዝወረደን ብዙሓት ዓድታት ውን በቲ ዕልቅልቅ ከምዝተጎዳኣን ዋላ”ኳ እንተከሰሰት፡
ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን ኢትዮጵያ ግን እቲ ዝቀረበ ክስታት መሰረት ዘይብሉ ውጹእ ጠቀነ ምኳኑ ብምጥቃስ”ዩ ነጺግዎ ዝርከብ።
ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ብዝምልከት፡ ትካላት መንግስቲ ግብጺ ዝሃብዎ መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምኳኑ ዝጠቅስ ሚኒስተር ማይን ኤነርጅን ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ እቲ ግድብ ምህናጹ ንዝነበረ ታሪኻዊ መረዳእታ፡ ምስ ናይ ሎሚ ዋሕዚ ማይ ብምውድዳር እቲ ሓቂ ኣበይ ከም ዘሎ ዘርኢ ምኳኑ ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ዝሓለፈ 93 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝተመዝገበ መረዳእታ ዋሕዚ ማይ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ሕጂ ንታሕተዎት ሃገራት ዝጸለወ ከቢድ ውሕጅ ከምዘጉደሎ”ዩ ዘረጋግጽ።
ብዘይካ”ዚ ግብጺ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ምስቲ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ብዛዕባ’ቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ዝሃብዎ መብርሂ ዝጋጮ ከምዝኮነ ዘረደአ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻን መስኖን ሱዳን ንዝሃቦ መግለጺ ከም መረዳእታ ብምውሳድ፡ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዕልቕልቕ ምስ ኢትዮጵያ ዝኾነ ምትእስሳር ከምዘይብሉን፡ ካብ ኡጋንዳ ዝብገስ ጻዕዳ ኣባይ ምዃኑን እዩ ዝጠቀስ።
ግብጺ ንጎረባብታ ወኪላ ናይ ምዝራብ መሰል ኣለዋ ዝበለ ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጂን፡ ይኹን እምበር ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ነቲ ቀንዲ ሓቂ ዕሽሽ ብምባል ምኽንያት እቲ ሓደጋ ናብ ኢትዮጵያ ከጽግዕዎ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል”ዩ ቅሬቱኡ ዘቀምጥ።
ሚኒስተር ማይን ኤነርጅን ኢትዮጵያ ወሲኹ፡ ሃገሩ ምስ ሱዳን ናይ ምትሕብባርን ሓበሬታ ምልውዋጥን ስምምዕ ከም ዘለዋ ብምሕባር፡ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፡ ሓደጋ ውሕጅ ንምንካይን ምስ ሰበስልጣናት ከሙኡ ውን ክኢላታትን እታ ሃገር ብቐረባ ክትሰርሕ ምዃናን’ዩ ዝገልጽ።