
ሰልፊ ዓቃባውያን ኢንግሊዝ፡ ኣብ ዝቕጽል ምርጫ እንተተዓዊቱ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመታት 750 ሽሕ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዘባርሩ ኣፍሊጡ።
ሰልፊ ዓቃባውያን ዓመታዊ ዋዕላኡ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ብዘይ ፍቓድ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንሓዋሩ ዑቕባ ከይሓቱ ክእግድ ምኳኑ ቃል ዛኣተወ ኮይኑ፡ ብተወሳኺ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ውን፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ቀሪቦም ከይኸሱን ከይመላለሱን፡ ሕቶ ይግባይ ውን ብሰበስልጣን ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ከም ክረአ ክገብር
ምውሳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ሰበስልጣን ሓለዋ ዶባት ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ወይ ውን ኣብ ውሽጢ ውሑዳት መዓልታት፡ ስደተኛታት ክመልሱ መምርሒ ክወሃቦም ምዃኑ ዝገለጸ ሰልፊ ዓቃባውያን፡ እቲ ዝቀውም ሓድሽ ሓይሊ ዕማም ናይ 1.6 ቢልዮን ፓውንድ ዓመታዊ ዕጽፊ ባጀት ክወሃቦን ምዃኑ”ዩ እቲ ሰልፊ ዝገልጽ።
ዓቃባዊ ሰልፊ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ንዓመታዊ ዋዕላ ተኣኪብሉ ኣብ ዘሎ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ትሕቲ መራሒት ዓቃባዊ ሰልፊ ኬሚ ባዴኖች ኣብ ከተማ ማንቸስተር ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ኣብ ዙርያ ሓሳብ ሪፎርም ዓባይ ብሪጣንያን፡ ቀጻሊ ብድሆ ብኸመይ ክገጥምዎ ይኽእሉን ዝብሉ ኣርእስታት፡ ምዝታዩ ውን”ዩ ዝንገር።
ኣብ ምጅማር እቲ ንኣርባዕተ መዓልታት ዝጸንሕ ጉባኤ፡ ሰልፊ ዓቃባውያን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንናይ 75 ዓመታት ኣባልነት ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤውሮጳዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰል (ECHR) ደው ከብሎ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ እዚ ኣካል ናይቲ ዘዘራርብ ዘሎ ፖሊሲዊ ለውጢ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ዓቃባዊ ሰልፊ ብርጣንያ፡ ሓድሽ ኣሃዱ “ሓይሊ ዕማም” ኣብ ሓደ ዓመት ብውሑዱ 150 ሽሕ ሰባት ክሰጉግ “ትእዛዝ” ከም ዝወህቦን፡ በዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ፡ ብድምር 750 ሽሕ ስደተኛታት ከም ዝሰጉግ ዘነጸረ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ’ዚ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንዝነብሩ ውልቀ ሰባት፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝኣትዉ ስደተኛታት፡ ከሙኡ ውን ብኸበድቲ ገበናት ንዝተፈርዱ ወጻእተኛታት ዜጋታት ዘጠቓልል ምዃኑ እቲ ሰልፊ ዝገልጽ።