
ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ሰላም፡ እወታዊ ግብረመልሲ ከምዝሃበን ስምምዕ ጋዛ ክቅበል ምኳኑ ከምዘፍለጠን ተገሊጹ።
ሓማስ ኣብ መግለጺኡ፡ ብመሰረት ዶናልድ ትራምፕ ዘቅረቦ እማመ ሰላም ቃዛ፡ ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ኵሎም እስራኤላውያን ክፈትሕ ከምዝተሰማመዐ ዘነጸረ ኮይኑ፡ እንተዀነ ግን ኣብ ካልኦት ጉዳያት ናይቲ ብዓል 20 ነጥብታት እማመ ግን ክመያየጥ ሕቶ ኣቅሪቡ ምህላዉ ዝንገር።
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ክሳዕ ሰንበት ኣብ ዘሎ ግዚያት ነቲ እማመ እንተ ዘይተቐቢልዎ፡ “መዓት” ክወርዶ ምዃኑን እስራኤል ስግኣታ ንምእላይ ኣብ እትገብሮ ወተሃደራዊ ወፍሪ ውን ሃገሩ ኢዳ ከም እተእቱን ዶናልድ ትራምፕ ኣጠንቂቑ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ኣማስዩኡ ንእማመ ትራምፕ ከምዝተቀበለን ጅሆ ዝሓዞም ዜጋታት እስራኤል ክፈትሕ ምኳኑን ድሕሪ ዝሃቦ እወታዊ ምላሽ፡ ትራምፕ እስራኤል ኣብ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ደብዳብ ብቕልጡፍ ደው ከተብሎ ትእዛዝ ሂቡ ምህላዉ ውን”ዩ ዝንገር።
ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ልዕሊ ደቡባዊ ክፋል እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እስራኤል ግብረመልሲ ንምሃብ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣብ ምክያድ ምጽንሓን፡ በቲ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ወፍሪ ውን ልዕሊ 66,000 ፍልስጤማውያን ከም ዝተቀትሉን ብዙሓት ውን በቲ ኩነታት ከምዝተመዛበሉን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ትማሊ ድሕሪ”ቲ ሓማስ ንእማመ ትራምፕ ከምዝተቀበሎ ምግላጹ ግን፡ ብርክት ዝበሉ እስራኤላውያን ኣብ ጎደናታት ተላኣቪቭ ብምውጻእ ንዶናልድ ትራምፕ ዘለዎም ኣድናቆት ክገልጽ ከምዝተራእዩ ውን እዩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘቅረቦ እማመ ድሕሪ ምግላጹን፡ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ከምዝተቀበሎ ድሕሪ ምንጋሩን፡ ዓለም ንውሳነ ሓማስ ብሃንቀውታ ክትጽበ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓማስ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ከምዝተቀበሎ ምግላጹ ግን፡ ኪንዮ”ቲ ኣብ ህዝብታት ክልቲኡ ወገን ፈጢርዎ ዘሎ ሓጎስ፡ ትራምፕ ውን ዓቢ ፖለቲካዊ መክሰብ ምርካቡ”ዩ ዝንገር።
እቲ እማመ፡ ኵሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እሱራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክፍትሑን፡ ከም ኣምሳያኡ ከኣ እስራኤል ኣሲራቶም ዘላ ኣማኢት ቓዛውያን ክትፈትሕን ዝጠልብ ኮይኑ፡ ጅሆ ዝተታሕዙ ዜጋታት እስራኤል ንሓማስ ቀንዲ መዛተዩኡ ብምንባሮም፡ ሓማስ ክቅበሎ ይክእል”ዶ ዝብል ስግኣት ኣንጠጥዩ እኳ እንተቀነየ፡ መወዳእቱኡ ከምዝተቀበሎ ምግላጹ ግን ኣብ ህዝብታት ዓቢ እፎይታ ፈጢሩ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ሓማስ ንዅሎም ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ብህይወት ዘለዉን ዘየሎውን እስራኤላውያን ክፈትሕ፡ እስራኤል ብወገና ካብ ቓዛ ምሉእ ብምሉእ ክትወጽእን፡ ድሮ ኣብ ስምምዕ በጺሖም ምህላዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብዘይካ”ዚ ንቓዛ ከመሓድር ዝጸንሐ ዕጡቕ ጕጅለ ሓማስ፡ ስልጣኑ ካብ ፖለቲካዊ ውግንና ሓራ ብዝዀኑ ንፍልስጤማውያን ቴክኖክራት ኣረኪቡ ከም ዝወጽእ”ዩ ተገሊጹ ዝርከብ።
ሓማስ ኣብ ካልኦት ጉዳያት በዓል 20 ነጥብታት እማመ ትራምፕ፡ ዕጥቁ ንክፈትሕን ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ፍልስጤማውያን ክዝትየሉ ምዃኑን፡ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ ኣበርክቶ ከም ዝገብርን ውን”ዩ ቃል ኣትዩ ዝርከብ።
ተደጋጋሚ ግዜ ስልማት ኖቬል ይግበኣኒ”ዩ ዝብል ምጉት ከልዕል ዝስማዕ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግጭት እስራኤልን ሓማስን ደው ኣብ ምባል ምሉእ ብምሉእ እንተተዓዊቱ፡ ሽልማት ኖቨል ናይ ምርካብ ዓቢ ዕድል ክህልዎ ምኳኑ ውን”ዩ ዝእመን።