
ኢትዮጵያ ብዘይካ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናብ UN ዝለኣኸቶ ደብዳቤ፡ ኣብ ክልተ ጥቅምቲ 2025 ውን ብተመሳሳሊ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ንኤርትራ ዘጠንቅቕ ደብዳቤ ናብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝለኣከትን፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ህወሓት ብምኳን ንኢትዮጵያ ክወርር ኣብ ምድላው ኣሎ ክትብል ምክሳሳን፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝለኣኾ ደብዳቤ፡ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ”የ ዝብል ጉጅለ ህግደፍ፡ ንህወሓትን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጉጅለታትን ይድግፍ ምህላው ዝኸሰሰ ኮይኑ፡ በዚ ድማ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ይገሃስ ምህላዉን፡ ኢትዮጵያ ብተመሳሳሊ ኣንጻር ልኡላውነታ ንዝፍጸም ተግባራት ደው ናይ ምባል ሕጋዊ፡ ሞራላውን ተፈጥሮኣውን መሰላ ዝተሓለወ ምኳኑን”ዩ፡ Horn review ዝገልጽ።
ኢትዮጵያ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተገለለትሉ ኣገባብ ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ፡ ኣብ ጉዳይ ዋንነት እቲ ወደብ ዘለዋ መርገጺ ከምዘይቅየር ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ብንጹር ዝገለጸት ኢትዮጵያ፡ ጉጅለ ህግደፍ ህወሓትን “ጸምዶ” ብዝብል ሓድሽ ኪዳን ኣንጻር ኢትዮጵያ ኲናት ንምክያድ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም ድሕሪ ምኽሳስ፡ ክልቲኦም ውድባት ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን፡ ብዕጡቓት ፋኖ ከተማ ወልድያ ንምሓዝ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፉን”ዩ ዝገልጽ።
ዶክተር ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ፡ ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን ውድብ ህወሓትን ዝተፈጥረ ምትሕብባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ እናተነጸረ ምምጹኡን ጸረ ኢትዮጵያ ስምረት ምኳኑን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ውድባት ከም ፋኖ ዛኣመሰሉ ዕጡቓት ጉጅለታት ብምድጋፍ፡ ግሉጽ ናይ ምስፍሕፋሕ ተግባራት ይፍጽሙ ምህላዎም”ዩ ዝኸስስ።
ብዘይካ’ቲ ኣብ ወልድያ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ራያናን ወልቃይትን’ውን ግጭት ከምዝነበረ ዘመልከተ እቲ ደብዳቤ፡ እዚ ተግባራት እዚ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራል ውድብ ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ውዕል ፕሪቶርያ ዝጥሕስ ምዃኑ ውን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ጉጅለ ህግደፍ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይዚ ጽዩፍ ተግባራት”ዩ ክብል ዝኸሰሰ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፋይናንሳዊ፡ ንዋታውን ፖለቲካውን ደገፋት ብምግባር፡ ንኢትዮጵያ ይርብሻ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።