
ቬነዙወላዊት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ንሽልማት ኖብል ሰላም 2025 ከምዝበቅዐት ተገሊጹ።
ኣብ ሃገራ ቬንዝዌላ ደሞክራስያዊ መሰል ክሕሎን፡ ምልካዊ ስርዓት ፈሪሱ ሰለማዊ ዲሞክራሲ ምስግጋር ክህሉን ዓቢ ኣበርክቶ ምግባራ ዝእመነላ ቬነዙወላዊት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ፡ ዝገበረቶ ልዑል ጻዕሪን ስራሕን ተገምጊሙ ተዓዋቲት ሽልማት ኖብል 2025 ክገብራ ከምዝኸኣለ”ዩ፡ ኮሚቴ ሽልማት ኖብል ዝገልጽ።
ቬነዙወላዊት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ፡ ፍልይቲ ኣብነት ስቪላዊ ሓቦ እያ ዝበለ ኮሚተ ሽልማት ኖብል፡ ህዝቢ ቬንዙወላ ደሞክራስያዊ መሰላቱ ንክኽበር ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕርን፡ ፍትሓዊ ደሞክራስን ሰላማውን ምስግጋርን ንምዕዋት ብዝገበረቶ ቃልስን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ቅድሚት ከምዝሰርዓ”ዩ ኮሚተ ኖብል ኣብ ናይ x ሕሳቡ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ዝገልጽ።
ሽልማት ኖብል ሰላም 2025፡ ኣብ ውሽጢ ማዕበል ጸልማት ሃልሃልታ፡ ደሞክራሲ ክቕጽል ንዝገበረት ጅግና ጓልኣንስተይቲ ተዋሂቡ ኣሎ ዝበለ ኮሚተ ኖብል፡ ደሞክራሲ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን፡ ናይ ሓባር መርገጺ ንዝኮነ ዲሞክራሳዊ መሰል ምክልኻል፡ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ”ዩ ዝበለ ኣቦ ወንበር ናይቲ ኮሚተ፡ ቬነዙወላዊት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ዝግባኣ ክብሪ ከምዝረከበት”ዩ ዝገልጽ።
ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኖብል ንምዕዋት ሰፊሕ ህዝባዊ ጐስጓስ ከካይድ ዝጸንሐ ዶናልድ ትራምፕ ዘይምዕዋቱ፡ ኣብ ብዙሓት ኣካላት ክትዕ ዝፈጠረ ጉዳይ ኮይኑ ምህላው ዝግለጽ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሽልማት ኖብል ይግባኣኒ”ዩ ንምባል ዘቅርቦ ጭብጢታት ዘካትዕ እኳ እንተዀኑ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ደማዊ ኲናት ደው ንኽብል ልዑል ተራ ምጽዋቱ ግን ከም ዓቢ ዓለማዊ ኣበርክቶ ሰላም ክረአ ከምዝነበሮ”ዮም ደገፍቱ ዝምጉቱ።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ሰላም ኖቤል ጆርገን ዋትነ ፍሪድነስ፡ ብዛዕባ”ቲ ካብ ፕረዚደንት ትራምፕን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝበጽሖ ዝነበረ ጸቕጢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ኮሚተ ሽልማት ኖብል ኣብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ታሪኹ፡ ጐስጓሳትን “ወጥሪ ሶሻል ሚድያን” ከም ዝረኣየ ብምግላጽ፡ ኪንዮ”ቲ ዝገጠሞ ጸቅጥን ብድሆን ንማርያ ኩሪና ማቻዶ ምምራጹ፡ ውሳነ ናይቲ ኮሚተ ቅኑዕ ምርጫ ምንባሩ”ዩ ከረድእ ዝፍትን።
ተዓዋቲት ሽልማት ኖብል ሰላም 2025 ዝኮነት ቬነዙወላዊት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንድሕነታ ብምስጋእ ተሓቢኣ ምህላዋ ዝንገር ኮይኑ፡ ካብ ነሓሰ 2024 ጀሚራ ኣብ ከምዚ ዝበለ ስጋኣት ጸጥታዊ ኵነታት ከም እትርከብን፡ ዝከፈለቶ ዋጋ ብዋጋ ገዛእ ነብሳ ከምዝትመንን”ዩ ኮሚቴ ኖብል ገሊጹ።
ኣቦ መንበር ኮሚተ ሰላም ኖብል ጆርገን ዋትነ ፍሪድነስ ወስኪ፡ ድሕሪ”ዚ ሽልማት ውን እንተኮነ ማርያ ኩሪና ማቻዶ ኣብ ፖለቲካ ቬነዙወላ ንጡፍ ተሳትፎ ከም ዝህልዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዋህባ ሽልማት፡ ንዕላማኣ ዝድግፍ እምበር ዝድርቶ ኣይኰነን ዘይምኳኑ ውን”ዩ ዝገልጽ።
ማርያ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኦስሎ ነርወይ ዝካየድ ወግዓዊ ሽልማት ክትርከብ ትጽቢት ኣለዎ ዲዩ ዝንብል ሕቶ ዝመለሰ እቲ ኣቦወንበር፡ ማርያ ብኣካል ተረኺባ ሽልማታ ክትቅበል ተስፋ ከምዘለዎም እኳ እንተገለጸ፡ ግን ከኣ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ጸጥታ ኵነታት ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ጸቢብ ተኽእሎ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።
ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ኣብ ሃገረ ቬንዙወላ መራሒት ተቓወሚ ሰልፊ ኮይና፡ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ሓደ ጽላል ብምምጻእ እትፍለጥ ብምኳና፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኸይትወዳደር ተኸልኪላ ምንባራን፡ ኣብቲ ዝተካየደ ምርጫ ክትዕወት ልዑል ተክእሎ ከምዝነበራን”ዩ፡ዝግለጽ።
ብዙሕ ናይ ድምጺ ምድንጋራት ከምዝነበሮ ኣብ ዝተጠቅሰ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ኒኮላስ ማዱሮ ንሳልሳይ ግዜ ምዕዋቱ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምንጋር ውጽኢት ምርጫ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ንማርያ ምክንያት ዝገበረ ህዝባዊ ተቃውሞታት ከምዝተካየደን፡ ንሓጺር እዋን ተኣሲራ ዝነበረት ማርያ ኩሪና ማቻዶ ከኣ ካብቲ እዋን ኣትሒዛ ተሓቢኣ ትነብር ምህላዋ”ዩ ዝንገር።