
ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፡ ትማሊ ዓርቢ 10 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ ንሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያን ዝጥሕሱ ተግባራት ደው ክብሉ ጸዊዑ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራን፡ ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፖሬሽንን፡ ዝተፈላለየ ሽማ ሹም እናሃቡ ንምዕራብ ትግራይ ከም ዝጽውዕዎ ዝዝከር”ዩ ዝበለ መግለጺ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፡ ከም መቀጸልቱኡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፐሬሽን “ኣሚኮ”፡ ብመስኮት ተለቬዥን ኣቢሉ ኣብ ዘመሓላለፎ መደባት “ምምሕዳር ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ ናይ ክልል ኣምሓራ ተፈናቀልቲ ንምቅባል ድልውነቱ ኣጻፊፉ፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ከምዝፈነወን፡ ኣካል ግዝኣት ትግራይ ንዝኾነ ምዕራብ ትግራይ፡ ኣካል ግዛኣት ክልል ኣምሓራ ገይሩ ከምዘቅረቦን ብምኽሳስ፡ ብጉዳይ ምምላስ ተመዛበልቲ ዝተዛበዐ መልእኽቲ ንምስራጽ ክካየድ ዝጸንሐ ተግባራት ሕጂ ውን ይቅጽል ምህላዉ”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ልዕሊ ብግፍዒ ካብ ቤት ንብረቶም ዝተመዛበሉን ዝተሰደዱን ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሕጫጨ፡ በቲ ህልቂት ንዝመርሑ ኣካላት መሰረት ገይሩ ዝቀረበ ግጉይ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ከም ዝከኣል ዝገለጸ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፡ ህላዉኡ ንከጥፍኡ ጨፍጪፎም ዘባረርዎ ኣካላት፡ ሓለይቲ ተመሲሎም ነዓ ተመለስ”ሞ ሓላፍነትካ ንሕና ክንወስደልኻ ኢና ክብሉ ምድፋሮም፡ በቲ ግጉይ ሓበሬታ ዝያዳ ሓደገኛ ከምዝገብሮ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ዝቀረበ መግለጺ፡ ምምላስ ተመዛበልቲ ንጹርን ዘየሻሙን ምኳኑ ዝገለጸ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፡ ጉዳይ ተመዛበልቲ ትግራይ ንውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ከይሸራረፍካ ብምፍጻም ጥራሕ ከምዝፍታሕ ብምግላጽ፡ ተሳተፍቲ እቲ ውዕልን ፈጸምቲ ኣካላት ማሕበረሰብ ዓለምን ሓላፍነት ወሲዶም ክሰርሑ ከምዝግባእ”ዩ ዝጽውዕ።
ኣምሓራ ሚዲያ ኮርፐሬሽን ኣሚኮ፡ ንዘቕረቦ ሓላፍነት ዝጎደሎ መደብ ክእርሞን፡ ኣብ ስራሕ ንዘሎ ሕገ መንግስቲ ኢፌድሪን ውዕል ፕሪቶርያ ካብ ዝጥሕሱ ተግባራቱ ክቑጠብን ዝጸወዐ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፡ እቲ ትካል ናይ ገበነኛታት ድምጺ ካብ ምዃን ክእርነብን፡ ኣብ ልዕሊ ነቲ ሓበሬታ ዘዳለዉ ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን”ዩ ጻውዒቱ ዘቅርብ።
ኣብ መደምደምታ ናብ መንግስቲ ፈደራል ጻውዒቱ ዘቅረበ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ፡ መንግስቲ ፊደራል ኣብ ልዕሊ ከምዚ ዓይነት ሓላፍነት ዝጎደሎ ጌጋ ዝፍጽሙን፡ ብዕላማ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ንምሕላፍ ዝፍትኑን ኣካላት ስጉምቲ ክወስድን፡ ንሕገ መንግስቲ ኢፌድሪን ውዕል ሰላም ፕሪቶርያን ተገዛኢ ክኾንን”ዩ ዝጽውዕ።
ምምሕዳር ከባቢታት ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሕሞራ፡ ቅድሚ”ቲ ኣብ 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ምዕራብ ትግራይ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ትግራይ ይመሓደር ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቀጸለ ደማዊ ኲናት ግን፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ትሕቲ ግዛኣት ክልል ኣምሓራ ምህላዉ”ዩ ዝፍለጥ።