
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝገብሮ ዝነበረ ሰባኣዊ ሓገዝ ደው ንምባል ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ምብጽሑ ኣፍሊጡ።
ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ 2ይ ደረጃ ኣብ እትስራዕ ኢትዮጵያ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ሓዊስካ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓድን ኣብ ትሕቲ ጽላል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምዝእለዩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ብሰንኪ ተከሲቱ ዘሎ ሕጽረት ባጀት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ክገብሮ ዝጸንሐ ሰባኣዊ ሓገዛት፡ ደው ከብል ይግደድ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ኣካያዲ ስራሕ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዝኮነ ዝላታን ሚሊሲክ፡ WFP ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዘገልግል ኣስታት 230 ሚልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ይኹን እምበር ትካላት ግብረሰናይን ለገስቲ ኣካላትን ነቲ ዝድለ ዘሎ መጠን ገንዘብ ክቅርብሉ እንተዘይኪኢሎም፡ እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝገብሮ ዝጸንሐ ናይ መግቢ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ደው ከብሎ ክግደድ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ሚሊሲክ ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብዛ ተፋሪቓ ዘላ ዓመተ 2025 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ክገብሮኦ ዝጸንሓ ደገፍ ብሙግዳሉ፡ ብርክት ዝበሉ ህዝብታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት፡ ከቢድ ጸገም ኣጋጢምዎም ምህላዉ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ከም ውጺኢቱ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐ ሰባኣዊ ሓገዛት ደው ንምባል፡ ኣብ ገምገም ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ 27 መዓስከራት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ 280 ሽሕ ስደተኛታት ክህቦ ዝጸንሐ ሓገዝ መግቢ ከምዘጉደሎ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን፡ ብሰንኪ”ቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ተመዛቢሎም ኣብ መዓስከራት ተጸጊዖም ይነብሩ ምህላዎም ብምጥቃስ፡ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ፡ ኣሰካፊ ኲነታት ክኽሰት ከምዝኽእል”ዩ ዘረድእ።
ብሕጽረት ባጀትን ቀረባትን ብኸቢድ ተሃስዩ ምህላዉ ዝገልጽ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ንልዕሊ 650 ሽሕ ኣዴታትን ህጻናትን ክህቦ ዝጸንሐ ናይ ምግቢ ሓገዛት ደው ከብል ተገዲዱ ምህላው ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ”ቶም ኣብ ከባቢታት ዳባት ናይ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሰንኪ”ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝረአ ግጭት ዝኮነ ይኹን ሰባኣዊ ሓገዛት ዘይረኽቡ ብምኳኖም፡ ንከቢድ ሓደጋ ተቃሊዖም ምህላዎም ክግለጽ ጸኒሑ”ዩ።