ሽልማት ኖብል ይግበኣኒ”ዩ ኣብ ምባል ዝጸንሐ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ናይ ሎሚ ዓመት ተዓዋቲት ሽልማት ኖብል ዝኮነት ማርያ ማቻዶ፡ ብቴለፎን ከምዝተራኸበን፡ ንዓካ ይግባእ ኔሩ ከምዝበለቶን ገሊጹ።
ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዕውቲ ሽልማት ኖብል ከምዝደወለትሉን፡ ንዓካ ይግብኣካ ኔሩ ከምዝበለቶን ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ማርያ ማቻዶ ዝገበረቶ ጽቡቕ ተግባር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝግባኣኒ እንተኮይኑ እቲ ሽልማት ሃብኒ ግን ኣይበልክዋን ክብል ዋዛ ዝሓወሰ መግለጺ ምሃቡ”ዩ CNN ዝጠቅስ።
ትራምፕ ብቀዳም ምሸት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ንዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓዊሱ ሸውዓተ ኲናት ደው ከምዘበለ ደጊሙ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሽሕ እኳ ማርያ ማቻዶ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርክ ሩቢዮ ብዝመርሖ ናይ ሕጊ ጉጅለ ተሓጽያ ናብ ሽልማት ኖብል እንተቀረበት፡ ዋይት ሃውስ ግን ነቲ ሽልማት ኮኒንዎ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኮሚተ ሽልማት ኖብል ዘለዎ ቅሬታ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሽልማት ኖብል ሰላም ዓለማዊ ሰላም ንምስፋን ዋላ ሓንቲ ተራ ንዘይገበሩ ሰባት ይወሃብ ምህላዉ፡ ብርክት ዝበለ ሕቶታት ከተልዕል ዝፈጥር ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ “እዚ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ሽልማት ኖብል ሰላም ይግብኦ ድዩ ኣይግብኦን ኣይፈልጥን’የ፡ እንተኾነ ግን ንዓመታት ዝጸንሐ ዝተሓላለኸ ግጭታት ፈቲሑ’ዩ ብምባል፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዶናልድ ትራምፕ ሽልማት ኖብል ሰላም 2025 ይግቦኦ ምንባሩ ምግላጹን፡ትራምፕ ውን ንመደረ ፑቲን ስዒቡ “የቐንየለይ ፕረዚደንት ፑቲን” ዝብል ናይ ምስጋና ቃላት ኣብ ምቅማጡን”ዩ፡ ሓበሬታ CNN ወሲኹ ዝገልጽ።
ካብ ዜናታት ሽልማት ኖብል ከይወጻና፡ ኮሚቴ ሽልማት ኖብል ንዶናልድ ትራምፕ ገዲፉ ንማርያ ማቻዶ ምምራጹ፡ ኖብል ንፖለቲካ ልዕሊ ሰላም ሰሪዕዎ ምህላዉ ዘሪኢ”ዩ ክብል ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ስቲቨን ቸንግ፡ዶናልድ ትራምፕ ሽልማት ኖብል ሰላም ንዘይምዕዋቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኮሚተ ሽልማት ኖብል ሰላም ንትራምፕ ገዲፉ ንማርያ ምምራጹ፡ ካብ ሰለማዊ ኩነታት እዛ ዓለም፡ ንፖለቲካ ጉዳያት ኣብሊጹ ከምዝተዓዘቦ ዘረጋግጽ”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ትራምፕ “ምሳሌ ሰብኣውነት” ምዃኑ ካልኦት ክፍትንዎ ንዘይደፍሩ ነገራት ብምፍጻም ኣረጋጊጹ”ዩ ብምባል፡ ቅሬቱኡ ከምዝቀመጠ”ዩ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝገልጽ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሞንጎ ሰርብያን ኮሶቮን፡ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን፡ ህንዲን ፓኪስታንን ዘጋጠመ ግጭታት ሓዊሱ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ክውላዕ ጫፍ በጺሑ ንዝነበረ ኲናት ደው ምባሉ ዝጠቅስ እቲ ወሃቢ ቃል፡ ሽልማት ኖብል ንትራም ክጎስዮ ምምራጹ ፍትሓዊ ውሳነ ዘይምንባሩ”ዩ ዝምጉት።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ደው ክብል ንዝገበሮ ደማዊ ኲናት”ዛ ዓለም ከም ጭብጢ ብምጥቃስ፡ ተደጋጋሚ ግዜ ሽልማት ኖብል ሰላም 2025 ይግበኣኒ”ዩ ክብል ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኲናት እስራኤልን ኢራንን ደው ኣብ ምባልን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጋዛ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላምን ኣብ ምኽታም ዝገበሮ ብዘበርከቶን ብምጥቃስ፡ እቲ ሽልማት ከም ዝግብኦ ብንጹር ክምጉት ምጽንሑ ኣይርሳዕን።