ኢትዮጵያ፡ ናይ ማይ ድሕነትይ ንምሕላው ኣድላዪ ስጉምቲ ክወስድ’የ ክትብል፡ ግብጺ ንዘቅረበቶ መጠንቀቅታ ከምዝነጸገቶ ኣፍሊጣ።
ሚኒስትሪ ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ብ13 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ግብጺ ብጉዳይ ፈለግ ናይልን ዓባይ ግድብ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸፈተቶ ወፍሪ ብዝሓየለ መልቅዑ ትቅጽሎ ኣላ ክብል ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ፕረደዚንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ ግብጺ ሃገራዊ ረብሕኣን ናይ ማይ ድሕነታን ንምሕላው፡ ኣድላዪ ዝበለቶ ስጉምቲ እትወስድ ቅርብቲ ኣላ ምባሉ ንኢትዮጵያ ከምዘየሐጎሰ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብቲ ዝቀረበ ግብረመልሲ፡ ግብጺ ብዘይሕጋውን ልዕልና ብዝመልኦ መንገድን፡ ሩባ ኣባይ ንምቍጽጻር እትገብሮ ፈተነ ትቅጽሎ ኣላ ዝበለት ኢትዮጵያ፡ ቃላት እቲ ፕረዚደንት ሚዛናዊ ቅቡልነት ከምዘይብሉ”ያ ትገልጽ።
ኣልሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ 8ይ ሰሙን ጉባኤ ማይ ንዝተረኽቡ ዕዱማት ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ግብጺ ኣብ ዲፕሎማስያውን ዓለምለኻውን ትካላት፡ ብቀንዱ ከኣ ኣብ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት እምነት ምሕዳራ፡ ከም ድኽመት ክውሰድ የብሉን ዝበለ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ግድብ ህዳሰ ኣብ ምምሕዳር ንእትኽተሎ ዘላ “ሓላፍነት ዝጐደሎ” ኣካይዳ፡ ሃገሩ ኣእዳዋ ኣጣሚራ ክትዕዘቦ ከምዘይኮነት”ዩ ዘጠንቅቕ።
ፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ኣብ መግለጺኡ፡ ደርቅን ውሕጅን ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን፡ መጠን ናይቲ ካብቲ ግድብ ዝፍኖ ማይ ንምቍጽጻር፡ ንኽልቲአን ሃገራት ታሕተዋይ ተፋሰስ ዘካተተ፡ ቀያዲ ስምምዕ ክግበር ዝጸውዐ ኮይኑ፡ እዚ ተግባር”ዚ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ላዕላይን ታሕታይን ተፋሰስ ከጋጥም ንዝክእል ጕድኣት ንምክልኻልን፡ ሚዛን ንምሕላውን ዘኽእል እንኮ ኣማራጺ ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
ምኒስትሪ ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ፡ ሕጂ ውን ኢትዮጵያ ፈለግ ኣባይ ናይ ምጥቃም መሰላ ኣሕሊፋ ከም ዘይትህብ ደጊሙ ዝገለጸ ኮይኑ፡ “ካብ ጸላእቲ ኢትዮጵያ ዝቀርብ ጸቕጢ መመሊሱ እንተሓየለ’ውን፡ ዕብየት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክምለስ ከምዘይኮነ”ዩ ዝገልጽ።
ኣቀድም ኣቢሉ ውን፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ባድር ዓብደላቲ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ህይወት ኣብ ታሕተዋይ ዞባ ተፋሰስ ዝርከቡ ሚልዮናት ዜጋታት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ጌራ ምህላዋ ዝከሰሰ ኮይኑ፡ ግብጺ እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ከም እትወስዶን ኩሉ ዓይነት ኣማራጺታት ክትጥቀም ምኳናን”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ዝኮነ ዮሴፍ ካሳዬ ብወገኑ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብቺ ንባድር ዓብደላቲ ተከቲሉ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ግብጺ ብዛዕባ ህዳሴ ግድብ ዘቕረበቶ ክሲ፡ መሰረት ዘይብሉን ዘጋግይን እዩ፡” ብምባል ቀጥታዊ ግብረመልሲ ምሃቡ ዝዝከር ኮይኑ፡ ግብጺ ብዛዕባ ህዳሴ ግድብ ብተደጋጋሚ ግዜ እሙናት ዘይኰኑ ክስታት ናብ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተቅርብ ምህላው ብምጥቃስ”ዩ ንግብጺ ወቂሱ።
ግብጺ፡ ኣብ 1959 ምስ ኤውሮጳውያን ኣብ ዝተገብረ መግዛእታዊ ስምምዕ፡ ዝበዝሐ መሰል ማይ ፈለግ ኒል ከም ዝግባኣ ብምጥቃስ፡ እዚ ውዕል እዚ ክኽበር ኣለዎ ዝብል ምጉት ተልዕል ምህላዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ብጉዳይ ርትዓውን ምኽንያታውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከም ዘለዎ ብተደጋጋሚ ግዜ ብምግላጽ፡ ህንጸት እቲ ግድብ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑ”ያ ትምጕት።