ብሰኑይ 13 ጥቅምቲ 2025፡ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለን ከባቢኣን፡ ኣባላት ኣርሚ 22 ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣሃዱ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያዶም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበረ ሰልፊ፡ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ክልል ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ ደው ክብል ኪኢሉ”ኳ እንተነበረ፡ ትማሊ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ቀጺሉ ከምዝወዓለተ ቢቢሲ ገሊጹ።
ብሰንኪ ተበጊሱ ዘሎ ተቃውሞ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ካብ ዞባ ማእከል ነበለት ናብ ሓወዜንን ዓድዋን ዝወስዱ መንገዲታት ተዓጽዮም ምህላዎም ዝገለጸ ቢቢሲ፡ መዋፈሪ ኣውተቡሳት ነበለት ውን ተዓጽዩ ምህላዉ”ዩ፡ ካብቲ ከባቢ ንዝተላእከ ኣሳእል ኣሰንዩ ኣብ ዘቀመጦ ሓበሬታ ዝገልጽ።
እቶም ሰልፈኛታት ኣባላት ጸጥታ፡ ወርሓዊ ክፍሊትና ኣብ እዋኑ ኣይበጽሐናን፡ ክዳንን ጫማን ይወሃበና፡ ኣብ ጣብያታትን ከባቢያዊ ምምሕዳርን ከይድና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምስ እነቕርብ ሰማዒ ኣይንረክብን፡ ከም ተጋደልቲ መጠን ውን ኣይንኽበርን ዝብሉን ሕቶታት የልዕሉ ምህላዎም ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ኣብ መቐለ፡ ካብ ከባቢ ሰሜን እዝን ኮሌጅ ሕብረትን ተበጊሶም ብእግሮም ናብ ቤትጽሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣምሪሖም ምህላዎም ውን”ዩ ዝውስኽ።
ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ “ኣብ ካልእ ዕማም” ስለ ዝነበረ ክረኽብዎ ኣይከኣሉን ዝበለ ምንጪ ቢቢሲ፡ ምክትል ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኮነ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ሕቶታቶም ክሰምዕ መጺኡ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ሰልፈኛታት ግን ካብ ቀጽሪ እቲ ቤትጽሕፈት ኣቐዲሞም ስለ ዝወጹ ከምዘይተራኸቡ”ዩ ዝገልጽ።
እቶም ሰልፈኛታት ክሳብ ራብዓይ ደርቢ ቤትጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ብምድያብ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ኣብ ቤትጽሕፈቱ ምህላዉን ዘይምህላዉን ከምዘረጋገጹ ዝተገልጸ ኮይኑ፡
ጸሓፊት እቲ ፕረዚደንት ንዝኮነት ሰራሕተኛ ውን፡ “ቤትጽሕፈት ከፊትኪ ኣርእይና” ከም ዝበሉዋ”ዩ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ዘመልክት።
ድሕሪ”ዚ ኩሉ ተርእዮ፡ ሰልፈኛታት ናብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ክኣትዉ እሞ፡ ዝምልከቶ ሰበስልጣን መጽዩ ከዘራርቦም ንዝቀረበሎም ሕቶ ከምዘይተቀበልዎ ዝጠቅስ እቲ ሓበሬታ፡ መንገዲ እንተ ዓጺና ናብቲ ዘለናዮ መጺኦም ከዘራርቡና እዮም’ ብዝብል መበገሲ፡ ካብ መቐለ ዘውጹኡ ሰለስተ ኣገደስቲ መንገድታት ተዓጽዮም ምውዓሎም”ዩ ዝውስኽ።
ሰልፈኛታት ኣባላት ጸጥታ ትግራይ፡ ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ስለ ዘቕረቡ፡ ኣብ ሰብ ይኩን ንብረት ዝወረደ ናይ ሓይሊ ስጕምትን ዕንወትን ከምዘይነበረ ዝወሰኸ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ዝሓለፈ ናይ 2013ን ከሙኡ ውን 2014ን ክፍሊትና ይወሃበና ዝብል ጥርዓን ከም ዘለዎም”ዩ ይገልጽ።
ዘልዓልዎ ሕቶታት፡ ኣብ መላእ ትግራይ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ጸጥታ ሕቶ ከም ዝኮነ ዝገልጹ እቶም ሰልፈኛታት፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወጸአን ንኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ትፍራይ ዝሓወሰን ብምኳኑ፡ እቲ ተቃውሞ ናብ ኩሉ ቦታ ሰፊሑ ሓደጋ ከየብጽሕ ስጋኣት ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ኣብ ትግራይ፡ ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተመዛበሉን፡ ልዕሊ 60,000 ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጽን ግጭት ዝሰዓቦ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ዜጋታት፡ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ምግላጹ ዝዝከር”ዩ።
ኣብ እዋን እቲ ኩነታት፡ ኲናት ንምምካት ዝተወደቡ ኣካላት፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ኣባላት ፌደራል ፖሊሲ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ፡ ከምኡ’ውን እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ ዝኸተቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሲቪል መንእሰያት ምኳኖም ዝንገር ኮይኑ፡
ኣብ ትሕቲ መንግስታዊ ስራሕ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ ካብ ብቐደሙ ውን ስሩዕ መሃያ ስለ ዝነበሮም፡ ዝሓለፈ ውንዙፍ ደሞዞም ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዋላ እውን ተቘራሪጹ ይወሃቦም ምህላዉ፡ ድሒሮም ናብ ሰራዊት ከቲቶም ዝተተጸምበሩ ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ተቃውሞ ከልዕሉ ገዲድዎም ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
እቶም ሰልፈኛታት፡ ዋላ”ኳ ንደሞዝ ኢልና እንተ ዘይተጋደልና፡ ናይ ዝሓለፈ (2013-2014) ደሞዝ ዘይብጽሓና እንተዀይኑ፡ ሌላን ጉሌላን ይፍጸመልና ምህላዉ ኢና ናኣምን ዝብል ጥርዓን ኣቅሪቦም ምህላዉ ዝንገር ኮይኑ፡
ንመንበሪ ኣባይቲ ዝውዕል መሬት ምዕዳል ውን ናይ ኵሎም ሕቶ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ምንጪ ቢቢሲ ዝውስኽ።
ብሰንኪ”ቲ ዝተፈጥረ ናይ ተቓውሞ ድምጺ፡ ካብ ረፋድ ሰዓት 11 ኣትሒዙ ክሳብ ኣጋ ዕራርቦ ኩሉ መንገድታት ትግራይ ተዓጽዩ ከምዘምሰየ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ህዝቢ ብሰንኪ እቲ ኩነታት ከቢድ ሽግር ኣጋጥምዎ ምውዓሉን፡ ገና ውን ናብ ካልእ ከባቢታት ይልሕም ምህላዉን”ዩ ዝገልጽ።