ፕረዚደንት ማዳጋስካር ኣንድሪ፡ “ጀን-ዚ ማዳጋስካር” ተባሂሎም ብዝፍለጡ መንእሰያት እታ ሃገር፡ ንኣስታት ክልተ ሳምንታት ክካየድ ንዝጸንሐ ተቓውሞ ንምጭፍላቅ ክረባረብ ድሕሪ ምጽንሑ፡ መንግስቱ ምሉእ ብምሉእ ፈሪሱ ናብ ፈረንሳ ምህዳሙ ተገሊጹ።
ህዝባዊ ድምጺ ኣብ ምዕፋን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኣንድሪ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣበይ ተሓቢኡ ከም ዘሎ”ኳ ብልክዕ እንተዘይተገልጸ፡ ገለ ገለ ጸብጻባት እታ ሃገር ግን፡ ንኣስታት ክልተ ሳምንታት ክዓግቶ ዘይከኣለ መንእሰያዊ ማዕበል ፡ “ጀን-ዚ ማዳጋስካር” ኣብ ጥርዚ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ፈረንሳ ገይሩ ካብታ ሃገር ክሃድም ከምዝተራእየ እየን ዝገልጻ።
ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ምክልኻል ማዳጋስካር፡ ኣብታ ብህዝባዊ ተቓውሞታት ክትሕመስ ዝቐነየት ሃገር ስልጣን ተቆጻጺሩ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣዛዚ ናይቲ ‘ካፕሳት’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ ዝኾነ ኮሎነል ማይክል ራንድሪ’ያኒሪና፡ ኣብ መንግስታዊ መደበር ራድዮ ቀሪቡ ኣብ ዘንበቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ምስዋር እቲ ፕረዚደንት ሰራዊት ማዳጋስካ ስልጣን ተረኪቡ ምህላዉ”ዩ ኣበሲሩ ዝርከብ።
እቲ ብፍሉይ ኣሃዱ ዝፍለጥ ሰራዊት፡ ነቲ ብመንእሰያት “ጀን-ዚ ማዳጋስካር” ዝተገበሰ ህዝባዊ ተቓውሞታት ከምዝድግፍ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣነጺሩ ምንባሩ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ብፍሉይ ደገፍ ናይዚ ኣሃዱ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ኣንድሪ ራጆሊና፡ ካብቲ ኣንጻሩ ዝተላዕለን ንሰሙናት ዝቐጸለን ሓያል ህዝባዊ ማዕበል ህይወቱ ንምድሓን፡ ኣብ “ውሑስ ቦታ” ተዓቚቡ ከም ዘሎ ክገልጽ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን እቲ ፕረዚደንት ናብ ፈረንሳ ምህዳሙ”ዩ ዝንገር።
ወዲ 51 ዓመት ፕረዚደንት ኣንድሪ፡ ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ ቀጥታዊ ፈነወ፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ጕጅለን ፖለቲከኛታትን ማዳጋስካር፡ ክቐትሉኒ መደብ ኣውጺኦም ኔሮም ዝበለ እቲ ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ዘይተራእየ ፕረዚደንት፡ ቤትጽሕፈቱ ውን ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጾኦ መግለጺ፡ ንኣንድሪ ካብ ስልጣን ንምዕላው ፈተነ ይካየድ ምህላው ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር”ዩ።
ኣንድሪ ብመንገዲ ፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ወሲኹ፡ “ካብ 25 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ህይወተይን መንግስትን ፈተነ ዕልዋ ይካየድ ኣሎ ዝበለ ኮይኑ፡ ኣባላት ወተሃደራዊ ጕጅለን ፖለቲከኛታትን ክቀትልዎ ድሕሪ ምብጋሶም፡ ሂወቱ ንምድሓን ውሑስ ቦታ ክደሊ ከምዝተገደደ”ዩ ዝገልጽ።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ መራሒ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ TIM ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ማዳጋስካር ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ትመሓደር ምህላዋ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ኣንድሪ ስልጣን ሃገር ገዲፉ ብምህዳሙ፡ ክሲ ከቕርበሉ መደብ ከም ዘለዎ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ሓያሎ ምስቲ ፕረዚደንት ቅርበት ዝነበሮም ሰበስልጣናት፡ ኣብ ጥቓ ማዳጋስካር ናብ እትርከብ ሃገረ ሞሪሸስ ሃዲሞም ተዓቂቦም ምህላዎም ዝንገር ኮይኑ፡ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ እትውንን ማዳጋስካር፡ ብሰንኪ ስእነት ምሕደራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለም ክትከውን ተፈሪዳ ምህላዋ”ዩ ሰነዳት እታ ሃገር ዘረድእ።
ብመሰረት ጸብጻብ worldbank፡ ኣስታት 75% ካብ ህዝቢ ማዳጋስካር ኣብ ትሕቲ ድኽነት ይነብር ምህላዉ ዝግለጽ ኮይኑ፡
ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ብወገኑ፡ ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብ ህዝባ ጥራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዝረክብ”ዩ ዝገልጽ።