ብዕብየቱ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኲናት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ሱዳን ዝገብሮ ዝነበረ በረራታት፡ ካብ ትማሊ ረቡዕ ጀሚሩ ዳግም ጀሚርዎ ምህላዉ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ”ቲ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝቀጸለ ግጭት ሓድሕድ፡ ካብን ናብን ሱዳን ክገብሮ ዝነበሮ በረራታት ደው ከብል ተገዲዱ ምጽንሑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ግን ኣብ ሱዳት ተዛማዲ ሰላም ሰፊኑ ብምህላዉ፡ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባን ፖርት-ሱዳን፡ መዓልታዊ በረራታት ከካይድ ጀሚሩ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ብመሰረት መግለጺ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እቲ ካብን ናብን ኣዲስ ኣበባ ፖርት ሱዳን ፈሊሙ ዘሎ በረራ፡ መዓልታዊ ብሓንቲ ነፋሪት ዝካየድ በረራ ኮይኑ፡ ካብ ዝመጽእ ሕዳር ናይ 2025 ጀሚሩ ግን፡ በረራታቱ ናብ ክልተ በረራታት መዓልታዊ ክብ ከብሎ ምኳኑ”ዩ፡ ኣብቲ ብመንገዲ ትዊተር ዝወጸ ሓበሬቱኡ ኣፍሊጡ ዝርከብ።
ብሰራዊት ሱዳን ዝምእከልን፡ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ሕሚቲ ዝምራሕን ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን፡ ድሕሪ”ቲ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ግጭት፡ ንቀንዲ ቤተመንግስቱ ካብታ ናብ ዓውደ-ውግእ ዝተቐየረት ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ናብታ ብተዛማዲ ውሕስቲ ዝኾነት ወደባዊት ከተማ ፖርት-ሱዳን ከምዘግዓዞ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ፖርት ሱዳን ኣብ ርጉእ ኩነታት ትርከብ ብምህላዋ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራታቱ ከካይድ ምቹእ ዕድል ምርካቡ”ዩ ዝግለጽ።
ናብ ሱዳን በረራታት ዝጀመራ ብርክት ዝበላ ትካላት መጓዓዝያ ነፈርቲ፡ ንርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካርቱም ገዲፈን፡ ካብን ናብን ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን ስሩዕ በረራ ይፍጽማ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ውን ነዚ ተከቲሉ ናብ ፖርት ሱዳን በረራ ምጅማሩ”ዩ ገሊጹ ዝርከብ።
ናብ ሱዳን ዝበራ ነፈርቲ ዕላማ ዕጡቅ ሓይሊ ዳዕመል ሰሪዕ ከይኮና ዝብል ስጋኣታት ብቀጻሊ ዝስማዕ ወላ ዳኣ ይኩን እምበር፡ ኢትዮጵያ ምስ ዳዕመል ሰሪዕ ይኩን ምስ ዝለዓለት ደጋፊት እቲ ዕጡቅ ሓይሊ ምኳና ምስ ዝንገረላ ኢማራት ዘለዋ ዝምድና ዝምስገን ብምኳኑ ግን፡ ነቲ መንገዲ ኣየር ብዘይስጋኣት ስርሑ ክገብር ከምዘኽእሎ ውን”ዩ ዝእመን።
ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ሂወት ልዕሊ 100ሽሕ ሱዳናውያን ዝበልዐን፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዝትመን ህዝቢ ካብ ቤትንብረቱ ክፈናቀል ዝገደደን ግጭት ሱዳን፡ ወላ”ኳ ምሉእ ብምሉእ መኸተምታ እንተዘይረከበ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግን ኣብ ድሓን ዝበሃል ደረጃ ምህላዉ”ዮም ጸብጻባት ዝገልጹ።