ሰብመዚ ኢምግረይሽን ደቡብ ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ፍጻመታት፡ ሰነዳት መገሻ የብሎምን ዝዝተቫህሉ 17 ኤርትራውያን ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ብምጥቃስ ገሊጸን።
ሰበስልጣናት ደቡብ ሱዳን፡ ምትሓዝ ናይቶም 17 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን፡ ኣካል ናይቲ ንደቡብ ሱዳን ከም መተሓላለፊ መንገዲ ዝጥቀም፡ ዘይሕጋዊ መርበባት ስደትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብን ምኳኑ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ዋና ዳይረክተር ስቪል መዝገብ፡ ዜግነት፡ ፓስፖርትን ኢምግረይሽንን እታ ሃገር ዝኮነ ሜጀር ጀነራል ኤልያ ኮስታ ፋውስቲኖ፡ እቶም ውልቀሰባት ብዘይ ቅኑዕ ናይ መገሻ ሰነድ ናብ ሱዳን ክሰግሩ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ከምዝተታሕዙ”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ’ቲ ብ10 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ናይ መጀመርታ ፍጻመ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዶባት ከተማ ኣወይልን ዞባ ባህር ኤል ጋዛልን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ እትርከቦም 14 ኤርትራውያን፡ ብሓለፍቲ ኢሜግረሽን እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ዝገልጽ እቲ በዓል ስልጣን፡ እቶም ኤርትራውያን ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ንምርመራ ኣብ ዋና ቤትጽሕፈት ኢምግረይሽን ጁባ ከምዘለዉን፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክንቀሳቀሱ ስለዝተረኽቡ፡ ብሕጊ ኢሜግሬሽን ደቡብ ሱዳን ክሲ ተመስሪትሎም ምህላዉን”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ካልኣይ ኣጋጣሚ ብተመሳሳሊ፡ ሰብመዚ ኢመግሬሽን እታ ሃገር ተወሳኺ ሰለስተ ኤርትራውያን ኣብ ጥቓ ፓሎች ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ ወሲኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ማእሰርቲ እቶም ኤርትራውያን ምስ ሰፊሕ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ-ሰብ ደቡብ ሱዳን ኣተሓሒዙ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ኣቢሎም ከም ዝመጽኡ ዝሓበረ ኮስታ፡ ቀንዲ ዕላማኦም ማእከላይ ባሕሪ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ከም ዝዀነ ዝሓበረ ኮይኑ፡ እቲ ፍጻመ ንመጀመርታ ግዜ ዘጋጠመ ከምዘይኮነን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብደቡብ ሱዳን ኣቢሎም ናብ ሱዳን ክንቀሳቀሱ ኣብ ቀይዱ ምእታዎምን”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ተዘርጊሑ ንዘሎ መርበባት ስደት ንምቕላዕ መርመራታት ይካየድ ከም ዘሎ ወሲኹ ዝገልጽ እቲ በዓልስልጣን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ኤርትራውያን መብዛሕትኦም ካብ 17 ክሳብ 20 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ምዃኖምን፡ ሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ጓለንስተይቲ ውን ኣብ ሞንጎኦም ምህላዋን”ዩ ዝግለጽ።
ሓይልታት ጸጥታ ዶባት ንዝገብርዎ ዘለዉ ንጡፍ ሓለዋ ዝነኣደ ኮስታ፡ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዘይተለምዱ ሓደስቲ ንጥፈታት እንተ ተዓዚቦም ክሕብሩ፡ ኣብ ጁባ ዝርከቡ ኤምባሲታት ኤርትራ፡ ሶማልያን ኢትዮጵያን ከኣ፡ ምስ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን ብምትሕብባር ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ከናድይሉ ጸዊዑ።
ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 30 ዝቁጽሮም ኤርትራውያን ተኣሲሮም ናብ ዓዶም ተጠሪዞም ምንባሮም ወሲኹ ዝሓበረ ኮስታ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ”ቶም ዝተኣሰሩ ዜጋታቱን ምንቅስቓቃሳቶምን ክፈልጥ ስለዝግባእ፡ ነቲ ኤምባሲ ሓበሬታ ክወሃቦ ምኳኑ”ዩ ዝጥቀስ።
መንግስቲ ንጸጥታ ዶባት ዘለዎ ተወፋይነት ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ደቡብ ሱዳን ግቡእ ኣሰራርሓ ዝኽተሉ በጻሕቲ ብሓጐስ ከም እትቕበል ዝጥቅስ እቲ በዓል ስልጣን፡
ናብ ደቡብ ሱዳን ንምምጻእ ፓስፖርት ወይ ካልእ ቅኑዕ ሰነዳት ከተማእል ዘገድድ፡ ሕጋዊ መስርሕ ምህላዉ”ዩ ዝገልጽ።
ደቡብ ሱዳን ሓንቲ ካብተን ካብ ጉጅለ ህግደፍ ዘምለጡ መንእሰያት ከም መንበርን መሰጋገርን ዝጥምትወን ሃገራት ምኳና ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ይኩን እምበር መንግስቲ እታ ሃገር ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዉ ዝምድና ተጠቂሙ፡ ዜጋታት ኣገዲዱ ንጉጅለ ህግደፍ ብምርካብ ክሕመ ምጽንሑ ዝፍለጥ”ዩ።