ኣብ ትግራይ ብሓይልታት ጸጥታ ድሕሪ ዝተወለዐ ናይ ተቓውሞ ድምጺ፡ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ መሰል ተጠቃምነት ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ከምዘጽደቀ ገሊጹ።
ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነዚ ዝወሰነ፡ ድሕሪ”ቲ ትማሊ ዓርቢ 17 ጥቅምቲ 2025 ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ መግለጺ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ መሰልን ተጠቃምነትን ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ብዝርዝር ዘትዩ፡ ተግባራዊ ንክኸውን ብሙሉእ ድምጺ ከምዘጽደቆ”ዩ ዝግለጽ።
እቲ ዝጸደቐ መሰልን ተጠቃምነት፡ ንመሰረታዊ ድልየታት፡ ኣገልግሎት ሕክምና፡ መስርሒ መንበሪ መሬት፡ ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝወሃብ ናይ ክብሪ ኣገልግሎት፡ ዕድላት ትምህርትን ስልጠናን ዛኣመሰሉ መሰላት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብምሉእ ድምጺ ናይቲ ካቢነ ጸዲቁ ናብ ስራሕ ካኣቱ ምኳኑ”ዩ እቲ መግለጺ ዘረድእ።
መሰል ተጠቃምነት ኣባላት ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ ንምርግጋጽ፡ ንነዊሕ እዋን መጽናዕቲ ዝተገበረሉን፡ ምስ ዝምልከቶም ኣባላት መሪሕነት ሓይሊ ጸጥታ ምይይጥ እናተኻየደሉ ዝጸንሐን ጉዳይ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ካቢኔ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ መሰል ተጠቃምነት ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ጠለባት፡ ዘትዩ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከም ዘሕለፎ”ዩ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ዝገልጽ።
እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ትግራይ ዝፈለመ ተቓውሞ ሓይሊ ጸጥታ ትማሊ ውን ን5ይ መዓልቱ ቀጺሉ ከምዝወዓለ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሓይሊ ጸጥታ ትግራይ መቀጸልታ ናይቲ ብጉዳይ ደሞዞምን ካልእ ጥቅምታትን ዘለዎ ተቓውሞ ንምግላጽ ዝጀመሮ ሰልፊ፡ ትማሊ ውን ካብ ውቅሮ ናብ ዕዳጋ ሓሙስን ዓድግራትን ዝወስድ መንገዲ ብዕጡቃት ኣርሚ 15፡ መስመር ሃገረ ሰላም-ዓቢ ዓዲ-መቐለ ከኣ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ሃገረ ሰላም ብዝርከብ ኣርሚ 50፡ ካብ ረፋድ 10፡30 ኣትሒዙ ተዓጽዩ ከምዝወዓለ ተገሊጹ።
ሓሙስ ምሸት ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሓወልቲ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ህወሓትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ በቲ ተወሊዑ ዘሎ ናይ ቁጠዐ ሰልፊ ዘፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ ዝተገልጸ ኮይኑ። ተጀሚሩ ንዘሎ ተቓውሞ ሓይልታት ጸጥታ ደው ንምባል ካብ ኢፈርት፡ መሰቦን መስፍን ኢንጂነርን ናይ ፋይናንስ ደገፋት ንምትእክኻብ ምውሳኖም”ዩ ዝንገር።