ኣስታት 35 ስደተኛታት ጽዒና ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝተገልበጠትን፡ ብርክት ዝበሉ ካብ ተሳፈርታ ውን ድሃዮም ከምዘይተረክበን ሮይተርስ ገሊጹ።
ድሕሪ”ቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሬሳ ናይ ሓደ ሂወቱ ዝሰኣነ ስደተኛን፡ ካሎኢት ብህይወቶም ዝተረፉ 11 ሰባትን ክርከብ ከምዝተካእለ ዝገልጸ ሮይተርስ፡ ሃለዋት ናይ ዝተረፉ 23 ስደተኛታት ግን፡ ዛጊት ክፍለጥ ከምዘይተኻኣለን፡ እቲ ናይ ድላይ ስርሒት ውን ይቅጽል ምህላዉን”ዩ ኣብቲ ንመግለጺ ቤት ጽሕፈት ዩኒሴፍ ጣልያን ዝጠቀሰ ኣብ ሓበሬቱኡ ዝግለጽ።
ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ደሴት ላምፔዱሳ ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ህይወት ኣድሕን፡ በይኖም ዝጉዓዙ ዝነበሩ ኣርባዕተ ህጻናት ዝርከብዎም 11 ስደተኛታት ብህይወት ከምዝደሓነ ወሲኹ ዝጠቀሰ ሮይተርስ፡ ብዘይካ”ቶም ብሂወት ዝተረኽቡ ሰገርቲ፡ ሬሳ ናይ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ኣደ ውን ከምዝተረኸበ”ያ ሓላፊት ዩኒሴፍ ኒኮላ ደል ኣርሲፕረተ ንሮይተርስ ትገልጽ።
ብህይወት ዝረኸቡ 11 ስደተኛታትን ሬሳ ናይታ ነፍሰ ጾር ኣደን ናብ ላምፔዱሳ ከምዝተወሰደ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሃለዋት ናይቶም ዝተረፉ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ክፍለጥ ብዘይምኽኣሉ ግን፡ ቁጽሪ ግዳያት ከይውስኽ ስክፍታ ምህላዉ”ዩ ዝንገር።
እታ ጃልባ ካብ ገማግም ሊብያ ምስ ተበገሰት፡ ድሕሪ ናይ ክልተ መዓልታተ ጉዕዞ ናብ ላምፔዱሳ ምስ ቀረበት ከምዝተገልበጠት ሓላፊት ኡኒሴፍ ጥልያን ንሮይተርስ ዝሓበረት ኮይና፡ ብሰንበት ኣብ ዝተገበረ ካልእ ዳህሳስ’ውን ብተመሳሳሊ፡ ሬሳ ናይ ክልተ ስደተኛታት፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ብሂወት ዝተረፉ 14 ስደተኛታትን ከምዝተረኸቡ”ዩ ፖሊስ ጣልያን ዝገልጽ።
እታ ጃልባ ዜጋታት ፓኪስታን፡ ኤርትራን ሶማልያን ዝርከብዎም 85 ሰገርቲ ጽዒና ከምዝነበረት መደበር ዜና AGI ዝገለጸ ኮይኑ፡ እታ ጃልባ ካብ ላምፔዱሳ ኣስታት 30 ኪሎሜተር ርሒቓ ከምዝተረኽበትን፡ ኣብ ከቢድ ኩነታት ዝነበሩ 14 ስደተኛታትን ድሮ ዘይተጎዱኡ ክልተ ሰባትን ንሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ተረኪቡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ምህላዉ”ዩ ወሲኹ ዝገልጽ።
ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብውዱብ ኣገባብ ክስነድ ካብ ዝጅምረሉ ዓመተ 2014 ኣትሒዙ፡ ንማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ 32 ሽሕን 700 ስደተኛታት ሓደጋ ምጥሓል ከምዘጋጠሞምን፡ ካብኣቶም እቶም ሓደ ሕምሲት ህጻናት ምንባሮምን፡ ኣብ ጣልያን ሓላፊት ዩኒሴፍ ዝኮነት ኒኮላ ደል ኣርሲፕረተ ዝገለጸት ኮይና፡ ውሃቢ ቃል IOM ፍላቭዮ ዲ ግያኮሞ ብወገኑ፡ ክትውዳእ ልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ተሪፍዋ ኣብ ዘሎ ዓመተ 2025 ጥራይ፡ 916 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሂወቶም ምሳኣኖም”ዩ፡ ኣብ ናይ x ሕሳቡ ኣብ ዘቀመጦ ጸብጻብ ዝገልጽ።