ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰንበት ኣብ ቓዛ ደብዳብ ኣየር ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ነቲ ተግባር ዝዀነነ ሓማስ እስራኤል ዝወሰደቶ ስጉምቲ ‘ቅሉዕ ምጥሓስ” ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ገሊጹ።
እስራኤል ብወገና “ግብረሽበራውያን” ክትብል ዝገለጸቶም ኣባላት ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ፡ ኣብ ከተማ ራፋሕ ጸረ ታንኪ ሚሳይል ብምትኳስ፡ ክልተ ወተሃደራታ ምስ ቀተሉ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመቶ ዝገለጸት ኮይና፡ ድሕሪ”ቲ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻቦኦ ዳግማይ ክትጅምሮ ምዃና”ያ ገሊጻ ትረክብ።
ሓማስ ብወገኑ ብዛዕባ እቲ እስራኤል ተፈጺሙኒ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ጸረ-ታንክ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ዝሓበረ ኮይኑ፡
እስራኤል ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ዕላማታት ሓማስ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ 44 ሰባት ከምዝተቐተሉ”ዩ ጸብጻብ ሕክምና ቃዛ ዝገልጽ።
ዕጡቅ ጉጅለ ሓማስ ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ ብወገኑ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻቦኦ ተማእዚዙ የተግብሮ ከምዘሎ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ከምዚ እተቐጺሉ ግን እቲ ስምምዕ ክፈርሰሉ ዝኽእል ደረጃ ክህሉ ከምዝኽእል ዘጠንቅቕ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ደብደብ ድሕሪ ምፍጻም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብ ሰዓት ትሽዓት ናይ ምሸት ጀሚሩ ንስምምዕ ምቁራጽ ተጻቦኦ ዳግማይ ይጅምሮ ከምዘሎ ዝሓበረ ኮይኑ፡ ዝፈጸሞ ደብዳብ ናይ ግብረመልሲ ስጉምቲ ምንባሩ ብምጥቅስ፡ እቲ ስምምዕ ብሓማስ ደጊሙ ምስ ዝጠሓስ ውን ግብረመልሲ ክህበሉ ምዃኑ”ዩ ኣተሓሳሲቡ ዝርከብ።
ትራምፕ ሰንበት ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ድሕሪ ምምላሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ፈጺመሞ ዝተበሃለ ደብዳብ ምናባልባት ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ገለ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ዝሃበ ኮይኑ፡ በዚ ኰይኑ በቲ እቲ ኵነታት ተሪርን ግቡእን ኣተሓሕዛ ክግበረሉ ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ብመንጐኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻቦኦ እስራኤልን ሓማስን፡ ካብ 10 ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ’ዩ ተግባራዊ ዝኮነ ኮይኑ፡ ድሕሪ”ቲ ስምምዕ ቅጽበታዊ ምቍራጽ ተጻቦኦ ስለዝተገበረ ውን፡ ሰራዊት እስራኤል ካብ ገለ ክፋላት ቓዛ ኣንሳሒቡ ሰብኣዊ ረድኤት’ውን ናብ ቓዛ ክኣቱ ምጅማሩ ክግለጽ ጸኒሑ”ዩ።