ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖን ክካየድ ዝጸንሐ ውግኣት፡ ብዝከፈአ መልክዑ ይቅጽል ምህላው ነበርቲ እታ ክልልን ማዕከናት ዜናን ገሊጾም።
እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እቲ ክልል ክካየድ ዝጸንሐ ውግኣት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ውን ቀጺሉ ምቅናዩን፡ ሓይልታት ፋኖ ውን ተወሰኽቲ ቦታታት ከምዝተቘጻጸሩን ክቃላሕ ዝቀነየ ኮይኑ፡ ምኒስተር ኣገልግሎት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ኢትዮጵያ ከበደ ደሲሳ፡ ንማዕከን ዜና ጀርመን ‘ዶቸ-ቨለ’ ኣብ ዝሃቦ ቃል ግን፡ እቲ ሓይሊ ካብ ምትዅታዅ ሓሊፉ ካልእ ክገብር “ዓቕሚ የብሉን” ብምባል ነቲ ሓበሬታ ክነጽጎ ተሰሚዑ።
ሚኒስተር ከበደ ደሲሳ “ኣኽራሪ” ብምባል ዝገለጾ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ፡ ናይ ምውጋእ ዓቕሚ ከምዘይብሉን፡ ሓሓሊፍካ ካብ ምትንዃይ ወጻኢ ዝገብሮ ነገር ከምዘየለን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ባኣንጻሩ ነበርቲ እታ ክልል ግን እቲ ኣብታ ክልል ዘሎ ኩነታት እንዳበኣሰ ይከይድ ምህላዉ”ዮም ዝገልጹ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሰንበት 19 ጥቅምቲ 2025 ኣብ ናይ ፌስቡክ ሕሳቡ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ ምብራቕ ዝርከባ ኣሃዱታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ዘካየድኦ ስርሒት ጥራሕ፡ ብርክት ዝበለ ሓይሊ ናይቲ ዕጡቅ ሓይሊ ከምዝደምሰሳ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም – ወረዳ ወንበርማ – ከባቢ ቁጪ – ዝተኻየደ ስርሒት፡ ሸሞንተ ኣኽረርቲ ኣባላት ፋሞ ክሞቱ እንከለዉ 13 ድማ ቈሲሎም ምህላዎም”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ዞባ ኣዊ ወረዳ ባንጃ – ከባቢ ኣስም – ኣብ ዝተኻየደ ስትራተጅያዊ ስርሒት ብተመሳሳሊ፡ 23 ኣኽረርቲ ኣባላት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክዀኑ እንከለዉ 19 ድማ ከምዝቘሰሉ ዝሓበረ ሰራዊት ፈደራል፡ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ኣብ ዞባ ሰሜን ጎጃም ኣብ ዙርያ ባህርዳር ኣብ ዝነበረ ውግእ ውን 18 ምዉታትን ሸሞንተ ቁሱላትን ምህላዎም”ዩ ኣብ ጸብጻቡ ዝገልጽ።
ሰራዊት ምክልኻል ኣብ መግለጺኡ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዓበይቲ ዓወታት ከምዝረኸበ”ኳ እንተገለጸ፡ ሓይልታት ፋኖ ብወገኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ዓወታት ይቐንዖም ምህላዉን፡ እቲ ብመንግስቲ ፈደራል ዝወሃብ ዘሎ መግለጺ ስዕረት ንምክዋል ዝተመርጸ ኣርእስቲ ምኳኑ”ዮም ዝገልጹ።
መግለጺ ሰራዊት ምክልኻል ንምፍሻል፡ ማሪኸዮም ንዝበልዎም ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት ክዝርግሕ ዝቀነየ ፋኖ፡
ኣብ መወዳእታ መዓልታት ናይ ዝሓለፈ ሰሙን፡ መስመር ደቡብ ጐንደርን ሰሜን ወሎን ንዘራኽብ ከባቢታት ጨጨሆ፡ ዘቢጣ፡ ገረግራን ኣፍላቂትን ከም ዝተቘጻጸሩ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንማዕከን ዜና ዶቸ ቨለ ዝሓበሩ ኮይኖም፡ ማዕከን ዜና ዶቬ ቬሌ ንኣዛዚ ሰራዊት እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ጠቒሱ ከም ዝሓበሮ፡ ፋኖ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ጥራይ ሽዱሽተ ወረዳታት ከምዝተቘጻጸሩ”ዩ ዝገልጽ።
ብኻልእ ወገን፡ ካብ ነሓሰ 2023 ኣትሒዙ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ፋኖን ብዝካየድ ዘሎ ውግኣት ክሕመስ ከምዝጸንሐ ዝጠቐሰ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ዓለም፡ ካብ መወዳእታ ሰሙናት ናይ መስከረም ኣትሒዙ፡ ግጭት ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ክልል በርቲዑ ምህላዉ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ፡ ቅልጡፍ ግብረመልሲ ንምሃብ ዘኽእሎ ዓቕሚ ከምዘሰለፈ ብ10 ጥቅምቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብምምልካት፡ ከቢድ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም 16 ምሩኻት ካብ ሓይልታት ፋኖ ከምዝተረከበ ምግላጹ ዝዝከር”ዩ።
ኣብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ ሓላፊ ፕሮግራምን ምክልኻልን ማርቲን ታልማን፡ “ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሰሜን ወሎ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ወይ ቆሲሎም” ኣለው ክብል ካብ ላሊበላ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ኣብ መንጐ ላሊበላን ወልድያን ዝርከባ ቍሸታት በቲ ኩነታት ኣዝየን ከምዝተሃሰያ’ውን፡ ብዓይኑ ንዝረኣዮ ከባቢታት ኩልመስክን ሙጃን ብምጥቃስ”ዩ ሓቢሩ ዝርከብ።
ሰራሕተኛታት ማእከላት ጥዕና እቲ ከባቢ፡ ብዘለዎም ውሱን ዓቅሚ፡ ውጉኣት ወተሃደራትን ሲቪላትን ይከናኸኑ ኣለዉ ብምባል ኣብ ሓበሬቱኡ ዝጠቀሰ ማርቲን፡ ማሕበር ቀይሕመስቀል ብወገኑ ኣብ ከተማ ላሊበላን ከባቢኣን ክልተ ጕጅለታት ብምውፋር፡ ብኸቢድ ንዝቘሰሉ 250 ሰባት ንምሕካም ዘኽእል ናውቲ መጥባሕቲ መድሃኒትን ቀረብን፡ ናብ ሽዱሽተ ትካላት ጥዕና ከምዘብጽሐ”ዩ ኣብ መልእኽቱ ኣፍሊጡ ዝርከብ።