ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ባሌ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት፡ “ምንጻል ይዅን ምግባት ከም ዘይሰርሕ ገሊጹ።
ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ኣብ ዘሎ ከባቢታት ናይታ ሃገር፡ ክንጸል”የ ብዝብል ስምዒት ዝተወደቡ ፖለቲካውያን ሓይልታት ከም ዘለዉ ዝገለጸ ዶክተር ኣብይ፡ ሓደ’ኳ ካብኦም ንሃገሩ ዝፈልጥ የሎን፡ ክብል ዝነቀፈ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብ ኢትዮጵያ ክንጸል”የ፡ ወይ ውን ክግብት”የ ዝብል ስምዒታት ቦታ ከምዘይብሉ”ዩ ገሊጽ ዝርከብ።
ኣቢይ ኣብ መደረኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም የለን፡ ሰላም ክቕድም ኣለዎ ዝብል ቅሬታ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ከም ዝለዓል ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ሰላም ክመጽእ ክንጽሊ ሰላም ክመጽእ ክንሰርሕ ኢና፡ ሰላም ክሳብ ዝመጽእ ግን፡ ኮፍ ኣይንብልን ከነልምዕ ኢና ክብል”ዩ፡ ልምዓታዊ ፕሮጀክት እታ ሃገር ደው ከምዘይብል ዝገልጽ።
ኣብዚ ግዜ’ዚ ፈይስቡክን ዩቱብን ስለ ዘሎ ዕለታዊ ንሰምዖ ኣለና እምበር፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ሰላም ኣይነበረን ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካብ ዘመነ ነገስታት ጀሚሮም ዝነበሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ግዜኦም ብመኸተ ዝተመልአ ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሽፍታ ጠፊኡ ከምዘይፈልጥ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ግዜ ስልጣኖም ልምዓታዊ መደባት ጎስዮም ሸፋቱ ንምስጓግ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝሰርሑ መራሕቲ ዘለዎ ነቀፌታ ውን”ዩ ኣቅሪቡ ዝርከብ።
ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ብልጽግና፡ ባህሊ ኢትዮጵያ ንዝኮነ ሽፍትነት እናተቃለስና ብሓደ ኢድ ድማ ከነልምዕ ኣለና ዝብል ኣካይዳ ከም ዝኽተል ዝገለጸ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሰላም ብዘይ ልምዓት ኣይጸንዕን”ዩ ድሕሪ ምባሉ፡ ኢትዮጵያ ወለዶታት ተቐባቢሎም ዘጽንዑዋ ሃገር ክትከውን ምኳናን፡ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ኦሮምያ እንርእዮም ጉዳያት ውን መልክዕ እናሓዙ ክኸዱ ከምዝኮኑን”ዩ ዝገልጽ።
እቶም ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ክንግብት ኢና ወይ ክንንጸል ኢና ዝብሉ ሓይልታት ንኢትዮጵያ ኣይፈለጡዋን”ዮም ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ከም ኣብነት ኣሰንዩ ብምጥቃስ፡ ናይ ብዓል [ሌ/ጀነራል] ጻድቃን ህወሓት፡ ‘ክንንጸል’ ኢና ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ ሰዓት፡ ናይቲ ግዜ መንእሰያት ንትግራይን ባህላን ከም ዘይፈልጡዋ ርግጸኛ ኰይነ ክነግረኩም እኽእል እየ፡ ህልኽን ቍጥዐን ጥራይ እምበር፡ እኹል ፍልጠት ኣይነበሮምን ክብል”ዩ ንቃልሲ ፖለቲካውያን ሓይልታት እታ ሃገር ነቂፉ ዝርከብ።