ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝኮነ ኣቶ ጌታቸው ረዳን፡ ዳይረክተር ሃገራዊ ድሕነትን ሓበሬታን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ ኣብ እትርከብ ዶባዊት ከተማ ቡሬ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ጌታቸው ረዳን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን፡ ንላዕለዎት ሚኒስተራት እታ ሃገር፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ኣዘዝቲ ክልል ዓፋርን ምስ ዝሓዘ ጉጅለ
ብምኳን፡ ናብ ከተማ ቡሬ ምእታዎም ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዶብ ኤርትራ ናብ እትርከብ ዶባዊት ከተማ ቡሬ ዝተገብረ ምብጻሕ ዕላሙኡ እንታይ ምኳኑ ግን ገና ንጹር ከምዘይኮነ”ዩ ዝንገር።
ዕላማ ምብጻሕ ሉኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ ቡሬ፡ ዋላ”ኳ ብንጹር ተዘይተገልጸ፡ መቀጸልታ ናይቲ መንግስቲ ፈደራል ምስ ጉጅለ ህግደፍ ኣትዩዎ ዘሎ ምፍጣት፡ ወይ ውን ምስቲ ካብታ ክልል ተበጊሱ ናብ ኤርትራ ገጹ ዝኹብልል ዘሎ ዕጡቅ ሓይሊ ዝተሓሓዝ ተልእኾ ክህልዎ ከምዝክእል”ዮም፡ ገለ ገለ ተንተንቲ ፖለቲካ እታ ሃገር ግምቶም ዘቀምጡ።
ከተማ ቡሬ ካብ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ኣብ ናይ 80ኪሎሜተር ርሕቀት እትርከብ ንእሽተይ ከተማ ኮይና፡ ካብ 98 ክሳብ 2000 ዓመተምህረት ኣብ ዝተካየደ ደማዊ ኲናት ኢትዮኤርትራ ውን ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎ ግንባር ቡሬ ምንባሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን።