ጃፓናዊት ፖለቲከኛ ሳናኤ ታካይቺ፡ ኣብ ክልቲኡ ቤት ምክሪ እታ ሃገር ኣብዝሓ ድምጺ ድሕሪ ምርካባ፡ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጃፓን ብምዃን ታሪኽ ምስርሓ ተገሊጹ።
ኣባል ሊበራል ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጃፓን ዝኾነ ሳናኤ ታካይቺ፡ ኣብ ታሕተዋይ ባይቶ እታ ሃገር 237፡ ኣብ ላዕለዋይ ባይቶ ከኣ 125 ድምጺ ድሕሪ ምርካብ፡ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ንምሓዝ ከምዝበቅዐት ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ኣብ ፖለቲካ ጃፓን ዓቢ ጽልዋ ፈጢራ እትርከብ ፖከቲኸኛ፡ መራኣያ ፈጢራቶ ዝጸንሐት ጽልዋን ተቀባልነትን “ሓጺናዊት ጓለንስተይቲ ጃፓን” ዝብል ሳጓ ውን ከምእትውንን”ዩ ዝንገር።
ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳኤና፡ ብጽኑዕ ዓቃባዊ መርገጺኣ እትፍለጥ ኮይና፡ ብኢድ ሰብ ንዝተቐትለ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበር ሺንዞ ኣቤ ናይ ቀረባ ፈላጢቱን ደጋፊቱን ብምኳና ውን፡ ዓቢ ደገፍ ረኺባ ምህላዋ”ዩ ዝንገር።
ፖለቲካዊ መሪሕነት ጃፓን ንንውሕ ዝበለ እዋናት ብደቂ ተባዕትዮ ተዓብሊሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሳኤና ታካይቺ ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ንክትከውን ምሻሙ፡ ከም ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ተራእዩ ይንኣድ ምህላዉ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ሽመት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ቀስ ብቐስ ክእረም ንዝጸንሐ ውክልና ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ፖለቲካ ጃፓን፡ ዓቢ ታሪኻዊ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኮነ”ዮም ብዙሓት ዝሰማምዑ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳኤና፡ መንግስቲ ጃፓን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እታ ሃገር ወፍሪ ብምግባር፡ ድኹም ቁጠባ ጃፓን ዳግም ንከበራብር ዓቢ ድፊኢት ክትገብር ምኳና”ዩ ዝእመን።