ኣዛዚ ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ዝኮነ ኮረኔል ኢብራሂም ሃሩን፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክስልጥኑ ዝጸንሑ ኣባላት ሰራዊት ድሕሪ ምምራቆም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንወተሃደራዊ ስነምግባርን ቆራጽነትን ተመረቕቲ ድሕሪ ምንኣድ፡ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት ንጨቋኒ ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ክቃወም ዝኽእልን፡ ስነ-ስርዓት ዘለዎ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምህናጽ ዘለዎም ቆራጽነትን ዝምስክር ምዃኑ ገሊጹ።
ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ መሰል ህዝቢ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላውን፡ መሰል ውሳኔኡ ምሉእ ብምሉእ ንምርግጋጽን፡ ሕብረተሰብ ካብ ግዱድ ምምዝባልን ብሄራዊ ዓመጽን ንምክልኻል፡ ኣድላዪ እንተኮይኑ ውን ክሳብ ሕቶ ምንጻል ከልዕል ብተወፋይነት ከም ዝቕጽል ዝገለጸ ኮይኑ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስን ጉጅሉኡ ጉጅለ ህግደፍን ዝፈልጥዎ እንኮ ቋንቋ ኲናት ጥራይ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ጸረ ዕብየትን ስልጣነን ዝኮነ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ሱሩ ንምምሓውን፡ መሰል ኩሎም ውድባት እተኽብር ኤርትራ ንምህናጽን፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብን ዝከብረላን ዝብልጽገላን ኤርትራ ንምህናጽ፡ እቲ እንኮ ኣማራጺ ዕጥቃዊ ቃልሲ ጥራሕ ምኳኑ”ዩ ዝግለጽ።
መራሒ እቲ ውድብ ዝኮነ ኮረኔል ኢብራሂም ሃሩን ኣስዒቡ፡ ዝቕጽል ምዕራፍ ናይቲ ውድብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ሓይሊ ባሕሪ ናይቲ ውድብን ምኳኑ ብምግላጽ፡ እቲ መሪሕነት ብመሰረት ህሉው ፖለቲካውን ወተሃደራውን ጠለባት ዝሰልጠነን ዝተዓጠቐን ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
ውልቀመላኪ ኢሳይያስ ዓሌታዊ ስርዓቱን፡ ኪንዮ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንጎረባብቲ ሃገራትን ዓበይቲ ኣህጉራዊ ረብሓታትን ስግኣት ፈጢሩ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ በዓል ስልጣን፡ ውልቀመላኪ ኢሳያስ ኣብ ቀይሕ ባሕርን፡ ርጋኣት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ሰላምን ዕብየትን ዝጻባእ ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ምእላይ እዚ ጉጅለ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ ምህላዉ”ዩ ዘረድእ።
ጎረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ማሕበረሰብ ዓለምን፡ ጉጅለ ህግደፍ ፈጢርዎ ንዘሎ ስግኣት ኣስተውዒሎም፡ ኣብ ምውዳቅ ጉጅለ ህግደፍ ተርኦም ክጻወቱን፡ ኣንጻር እዚ ጉጅለ ንዝቃለሱ ሓይልታት ክድግፉን ዝጸውዐ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ፡ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ሓያልን ጸላውን ውዳበታት ብምፍጣር፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ተማእኪሎም ሓባራዊ ግንባር ብምቛም፡ ህግደፍ ንምጥፋእ ብሓባር ክሰርሑ ጻውዒት ከምዘቅረበ”ዩ ኣብ መግለጺኡ ዝጠቅስ።