ኢትዮጵያ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኤርትራ ዘለዋ ጉዳይ፡ ብሽምግልና ክንፈትሖ ድላይ ከምዘለዋ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ገሊጹ።
ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝብታት ኢትዮጵያን፡ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢን ጸጥታን ዝኾነ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድሌት ከምዘይብሉ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝገለጸ ኮይኑ፡ ዘይምህላው ኣፍደገ ባሕሪ ንቁጠባ፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ብድሆ ኮይኑ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ጻዕርታት ተኸቲላ ክትቅጽሎ ምዃና”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መግለጺኡ፡ ምህላው ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ቁጠባዊ መጻኢ ኢትዮጵያ ወሳኒ ተራ ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣምባሳደር ዲና፡ በዚ መንጽር ሕቶ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ሕቶ ምኳኑን፡ ኣብ 1982 ዝወጸ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብለን ሃገራት ዝምልከትን ኣህጉራዊ ሕጊ ውን ንኢትዮጵያ ከምዝድግፋን ብምጥቃስ፡ ድላይ ኢትዮጵያ ኣብ ሰላማዊ ናይ እንካን ሃባን መትከላት ዝሰረተን፡ ንሓባራዊ ምዕባለ ዝዓለመን ምኳኑ”ዩ ዝገልጽ።
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ጎረባብታ ዝኮና ሃገራት ጸቕጢ ናይ ምግባር ድሌት ከምዘየይብላ ብተደጋጋሚ ግዜ ከምዝገለጸት ዘዘኻኸረ እቲ በዓል ስልጣን፡ ኢትዮጵያ ሕጂ ውን ናብ ኲናት ክታኣቱ ከምዘይኮነትን፡ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ጉዳይ ውን ብሽምግልና ክትፈትሖ ከምእትደልን”ዩ ዝገልጽ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብሽምግልና ንምፍታሕ ተገዳስነት ከምዘለዋ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ዲና፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ፈተውቲ ሃገራት ክልቲአን ሃገራት ክሽምግላ ጻዕርታት ይግበር ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ እቲ ሽምግልና እንተፈሺሉ ግን ኢትዮጵያ ናብ ቤት ፍርዲ ክትኸይድ ከምእትኽእል”ዩ ኣሚቱ ዝርከብ።