ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመስረተን፡ ብቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝረከበን ስምረት ፓርቲ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣማካሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቅ ኣፍሪቃ ኮይኑ ንዝዓዪ ዘሎ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ፕረዚደንት ውድቡ ጌሩ ከምዝመረጾ ኣፍሊጡ።
ስምረት ፓርቲ፡ ትማሊ ዓርቢ 24 ጥቅምቲ 2025 ፈላሚ ውድባዊ ጉባኤ ዘካየደ ኮይኑ፡ ኣብ ፈላማይ ጉባኤኡ ፕረዚደንት ፓርቲ፡ ምክትል ፕረዚደንት ፓርቲ፡ 7 ኣባላት ኮሚተ ፈጻሚ ጉዳይ፡ ከሙኡ ውን 31 ኣባላት ቤት ምኽሪ ዝመረጸ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ፕረዚደንት ብምኳን ንስምረት ፓርቲ ክመርሕ ከምዝመረጸ”ዩ ዝገልጽ።
ፕረዚደንት ኮይኑ ንዝተመርጸ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ስዒቦም፡ ነጋ ኣሰፋ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት፡ ሃፍቱ ኪሮስ ምክትል ፕረዚደንት፡ ከሙኡ ውን ሰብለ ኣሰፋ ሓላፊት ቤትጽሕፈት ውድብ ስምረት ኮይኖም ከምዝተመርጹ”ዩ ዝንገር።
ኣቶ ገብረሂወት ገብረስላሴ ብተመሳሳሊ፡ ኮምሽን ቁጽጽር ኢንስፔክሽን ናይቲ ፓርቲ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ኣብርሃለይ ኣበራ ውን ምክትል ሊቀመንበር ስምረት ኮይኖም ስልጣን ምሓዞም”ዩ መግለጺ ናይቲ ፓርቲ ዘረጋግጽ።
ብጌታቸው ረዳ እንዳተመርሐ ኣብ ቀረባ ግዜ ውድባዊ ቅርጺ ብምሃዝ ዝተመርተ ስምረት ፓርቲ፡ ኣብ ትግራይ ሉለመዳያዊ ናጽነት ንምርግጋጽ ከምዝሰርሕ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ልዕሊ 50 ዓመታት ብሓደ ውድብ ተዓብሊሉ ንዘሎ ፖለቲካ ትግራይ ናይ ምኽላስ መደባት ሒዙ ምህላዉ ውን”ዩ ዝንገር።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዜና፡ ፕረዚደንት ስምረት ፓርቲ ብምኳን ዝተመርጸ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ትማሊ ኣማስዩኡ ኣብ ናይ facebook ውልቃዊ ሕሳብ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ መረዳእታ መልእክቲ፡ ብስርቒ ዝከሰሶም ኣካላት ቅድሚ ኢሂወደግ ዝነበሩ መንግስታት ምኳኖም ገሊጹ።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኣብ ናይ ባሌ ዑደተይ ኣብ ዝሃብክዎ ቃል፡ ቅድሚ 13 ዓመት ናብቲ ከባቢ ተጓዒዘ ምንባረይ ብምጥቃስ፡ “ሃፍቲ እቲ ከባቢ ንምዝማት ጥራሕ ንምንታይ መንገዲ ዘይሰርሑ” ክብል ጠቒሰ ነይረ ዝበለ ኣቶ ጌታቸው፡ ብዙሓት ንዝሃቦ መደረ ካብ ዓውደ-ጽሑፍ ወጻኢ ከም ዝተረድእዎ ብምጥቃስ፡ ቅድሚ ኢሂወደግ ንዝነበሩ መንግስታት ንምክሳስ ጥራሕ ከሙኡ ከምዝበለ”ዩ ዝገልጽ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ ቅድሚ 13 ዓመት ናብቲ ከባቢ ዝከድኩ፡ መለስ ዝሰርሖ ጽርግያ ንምምራቕ”ዩ ዝበለ ኮይኑ፡ እቲ እንኮ ኣብ ግዜ መለስ ዝተሃንጸ ጽርግያ ድሕሪ ምዕዛበይ፡ ቅድሚ ኢሂወደግ ዝነበሩ መንግስታት ሃብቲ እቲ ከባቢ ንምውራስ እኳ ንምንታይ መንገዲ ኣይሰርሑን ዝብል ሓሳብ ከምዝሃበ ብምጥቃስ፡ ንኢህወደግ ብብልሽውና ክኸስስ ዕላማ ጌሩ ከምዘይተዛረበን፡ ቃላቱ ብመረዳእታ ክእረምን”ዩ ኣብ መብርሂኡ ዘብርህ።