ንክልላት ዓፋር ትግራይን ኣምሓራን ዘጠቃልል ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ምስ ወደባት ጁቡትን ኤርትራን ብመስመር ባቡር ንምትእስሳር፡ ሓዲድ ናይ ምዝርጋሕ ፕሮጀክት ከምዝወጸ ድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።
እቲ ንሰለስተ ሃገራት ዘራክብ መስመር ሓዲድ ናይ ምዝርጋሕ ፕሮጀክት፡ ውጥን ኮርፐሬሽን ባቡር ኢትዮጵያ ከምዝኮነ ዝገለጸ VOA፡ እቲ ካብ ወደባዊት ከተማ ታጁራ ናይ ጅቡት፡ ከሙኡ ውን ወደባውያን ከተማታት ባጽዕን ዓሰብን ናይ ኤርትራ ተገቢሱ፡ ምስ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝራከብ መስመር ባቡር፡ ናይ 1.58 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ንምክንዋኑ መደብ ከምዘለዎ”ዩ ዝገልጽ።
እቲ መሰመር ባቡር ንከተማታት መቀለን ወልድያን፡ ምስ ባጽዕ ዓሰብን ታጁራን ንምርካብ ዝዓለመ ምኳኑ ዝጠቀሰ እቲ ሓበሬታ፡ ቅድሚ ዝተወሰነ መዓልታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተካየደ ኣኬባ ወፍሪ ሓዲድ ባቡር፡ ኮርፐሬሽን ባቡር ኢትዮጵያ ንምትግባሩ ውጥን ከምዘውጸአ”ዩ ዝገልጽ።
እዚ ን3ተ ሃገራት ዘራክብ ሓድሽ ሓዲድ ባቡር፡ ምስቲ ብቱርካዊ ኩባንያ ተታሒዙ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ፕሮጀክት ኣዋሽ-ኮምቦልቻ-ሃራ ገበያ ዘራኽብ ከምዘይብሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ህሉውን ኩነታትን ኣብ ባይታ ክህልዎ ዝኽእል ብድሆታትን ኣመልኪቱ ግን ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ የለን።