ንኣስታት ሓደ ዓመት ብጉጅለ ህግደፍ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ባሕረኛታት ዜጋታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ።
እቶም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ ባሕረኛታት ዜጋታት ስሪላንካ፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝምን ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ግብጺን፡ ምስ ሰብ መዚ ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተን ምርድዳእን ከምዝተፈትሑ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ስሪላንካ
ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈት ስለ ዘይብላ፡ ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታታ ኣቢላ፡ ባሕረኛታት ዜጋታታ ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ምጽንሓ”ዩ ዝግለጽ።
እዞም ዜጋታት ስሪላንካ ዝኮኑ ባሕረኛታት፡ ምስተን ኣብ 7 ሕዳር 2024 ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ዛኣተዋን፡ ብኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛን ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብተን መራክብ ዝነበሩን ሰራሕተኛታት ኩባንያ ካስፒያን ዝኮኑን 6 ዜጋታት ስሪላንካ ዝርከብዎም 18 ዜጋታት ኣዘርባጃንን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብጉጅለ ህግደፍ ተቀይዶም ምጽንሖም ዝፍለጥ”ዩ።
18 ዜጋታት ኣዘርባጃን፡ ኣብ መንጎ ጉጅለ ህግደፍን መንግስቲ ኣዘርባጃንን ድሕሪ ዝተኻየደን፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ርክባት፡ ተለቒቖም ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ፡ ማእከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ምግላጸን ዝዝከር ኮይኑ፡ ሓደ ኣባል ሰራዊት ዝርከቦም 5 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝኮኑ መርከበኛታት ስሪላንካ ግን ክሳብ ሎሚ ኣብ ቀይዲ ምጽንሖም”ዩ ዝረከብናዮ ሓበሬታ ዘረድእ።
ኣምባሳደር ስሪላንካ ኣብ ካይሮ፡ ናብ ኤርትራ ዘእትዎ ቪዛ ተኸልኪሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብረቡዕ ተፈቂድሉ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ እቲ ኣምባሳደር ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕን ሓሙስን ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ጉጅለ ህግደፍ ድሕሪ ምዝታዩ፡ ሽዱሽቲኦም ባሕረኛታት ስሪላንካ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ መንገዲ ከምዘጣጠሐ”ዩ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሕብር።