ኬንያ ነቲ ካብ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ዕቝባ ሓደ ብሓደ ክትምርምሮ ምዃና ብምሕባር፡ ነቲ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ ካብዘን ሃገራት ዝመጹ ዝተነብረ እገዳታት ኣነጺራ።
ብመሰረት The east africa ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኬንያ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ፡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝኮኑ ስደተኛታት ናይ ዕቝባ ወረቀት ምሃብ ኣቛሪጻ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ኣብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ጥርዓን ድሕሪ ምቕራቡ፡ ሓተትቲ ዕቝባ ናይ ምምዝጋብ መስርሕ ክቕጽል ምዃኑ ኮሚሽነር ጕዳይ ስደተኛታት ኬንያ ምግላጹ ዝተቀሰ ኮይኑ፡ ንቆልዑ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስንክልና ንዘለዎም ሰባት፡ በሰላ ንዘጋጠሞምን ፍሉይ ከይዝ ንዘለዎምን ቈላሕታ ዝገብር መስርሕ ምዝገባ ክህሉ ምኳኑ”ዩ ዘረጋግጽ።
ጉዳይ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብመሰረት እቲ ሓንቲ ሃገር ንሓደ ሰብ፡ ስቓይ ወይ ካልእ ከቢድ ጕድኣት ከጋጥሞ ናብ ዝኽእል ቦታ ከይትመልሶ ዝኽልክል ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ይምርመር ምህላዉ ምክትል ኮሚሽነር ጕዳያት ስደተኛታት መርሲ ምዋሳሩ ዝገለጸት ኮይና፡ እቲ መምርሒ ካብ ዝወጸሉ ዕለት 31ኣትሒዙ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ጥራሕ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ 100 ሕቶ ዕቝባ ከም ዘጽደቐ እውን እያ ትገልጽ።
ኬንያ ንመስርሕ ሕቶ ዑቅባ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ደው ካብ እተብሎ ንንየውን፡ ካብ ብርክት ዝበሉ ማሕበራትን ተጣበቅቲ ሰባኣዊ መሰላት ዝኮኑ ትካላትን፡ ከቢድ ኩነነ ክቀርበላ ምጽንሑ ዝጠቀሰ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ መምርሒ ሕቶ ዑቅባ ደው ምባል ወይ ምእጋድ፡ ንመሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባ ምጥሓስ እዩ ዝብል ከቢድ ተቃውሞ ክቀርብ ምጽንሑ”ዩ ዝጠቅስ።
ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያን ድሕሪ ዝተፈጥረ ሓደገኛ ውጥረት፡ ግፋን ካብ ስጋኣት ኲናትን ንምርሓቅ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ናብ ዩጋንዳ ክግዕዙ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኡጋንዳ ውን ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዛ ምቅባል ስደተኛታት ደው ድሕሪ ምባላ፡ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኬንያ ክግዕዙ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኬንያ ውን ብተመሳሳሊ መስርሕ ምዕዳል ደው ምባላ ገሊጻ”ኳ እንተጸንሐት፡ ዳግማይ ንምክፋቱ ግን ኣብ መስርሕ ምህላዋ”ዩ ዝንገር።