ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኩሉ ናብ ትግራይ እንሰዶ በጀት ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ይውዕል ብምህላው፡ ትግራይ ትጉዳእ ምህላዋ ትማሊ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።
ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ጂጂጋ ዓቢ ናይ ኮሪደር ልምዓታዊ መደባት ይካየድ ምህላዉ ብምጥቃስ፡ ዓመታዊ እቶት ሶማል ንዓመታዊ እቶት ትግራይ ከምዝበለጾ፡ ብመረዳእታ ዘቅረበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቶት መቀለ ካብ ናይ ጂጂጋ ብ 6/7 ዕጽፊ ዝዓቢ ክነሱ ስለምንታይ ኣብ ትግራይ ልምዓታዊ መደባት ዘይካየድ ብምባል”ዩ፡ ጸጋታት ትግራይ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ይውዕል ምህላዉ ዝከስስ።
ኩሉ ግዜ ኣብ ኲናትን ግጭትን ምንባር ጠቃሚ ኣይኮነን ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ብዝተካእለ መጠን ናብ ሰለማዊ ዘተ ብምምጻእ፡ ሽግር ህዝቢ ንምፍታሕ ክብገስ ከምዝግባእ”ዩ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ክራማት ለብዘበን ዝበጽሐ ሕርሻ ንምዕዛብ ብድሮናት ኣብ ሰማያት ትግራይ ንበርር ኔርና ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ብዝተገብረ ገምጋም ናይ ሎሚ ዓመት ምህርቲ ኣብ ዝሓሸ ዝቅመጥ ምኳኑ ብምጥቃስ፡ ህዝቢ ብሰለማዊ መንገዲ ምህርቱ ክእክብን ናብ ዕዳጋ ብዘይስጋኣት ከብጽሕን ድላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምኳኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ዳግም ግጭት ንምውላድ ድላይ ከምዘይብሉ”ዩ ዝግለጽ።
ኣብ መደምደማታ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሰበስልጣናት ነዚ ተገንዚቦም፡ ናብ ሰለማዊ መንገዲ ክመጹ ይግባእ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ትግራይ ዘለዋ እቶት ኩሉ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ ይውዕል ብምህላዉ፡ ህዝቢ ብከቢድ ይጉዳእ ምህላዉ”ዩ ዝግለጽ።