ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ትማሊ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዝምድና ጉጅለ ህግደፍን ብልጽግናን ዝበኸን፡ ናብ ግዳም ክወጽእ ዝገበረን ጉዳይ፡ ምስ ህወሓት ዝተፈረመ ውዕል ምቁራጽ ተጻቦኦ ፕሪቶርያ ምኳኑ ገሊጹ።
ጉዳይ ወደብ ዓሰብ፡ ሎሚ ጽባሕ ዝከናወን ጉዳይ”ዩ ብዝብል ተስፋ፡ ንጉጅለ ህግደፍ ንልምንን ናብ ኤርትራ ንመሳሰልን ኔርና ዝበለ ዶክተር ኣብይ፡ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ዝተፈረመሉ ግዚያት ግን፡ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ውሳነ ቅኑዕ ከምዘይኮነን፡ ደው ክብል ከምዘለዎን ብምንጻር፡ ትግራይን ውድብ ህወሓትን ተጠቓሊሎም ከይጠፍኡ፡ ኣብ’ዚ ዞባ ሰላም የለን ዝብል መርገጺ ከምዘለዎም ገሊጾሙላና ዝበለ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብጉዳይ ወደብ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ስምምዓት ብውዕል ፕሪቶርያ ከምዘብቅዐ”ዩ ዝገልጽ።
ውልቀመላኪ ኢሰያስ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ 2023 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት፡ ፕሪቶርያ ውድብ ህወሓት ንምድሓን ብድፍኢት ኣመሪካ ዝተገበረ ምኳኑ ብምግላጽ፡ ኣብቲ ውዕላት ዘለዎ ዘይዕጉብነት ኣሚቱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕሪቶርያ ብኣመሪካ ዝተወጠነ “ናይ ምኹላፍ ታክቲክ” ምኳኑ ብምጥቅስ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሰልፊ ብልጽግና ብዝወሰዶ ስጉምቲ ከምዘይተሓጎሰ ክትግምት ዝገብር ቃለመሕተት ድሕሪ ምግባሩ”ዩ፡ ጉዳይ ምብታኽ ዝምድኖኦም ፕሪቶርያ ምኳኑ ኣብይ ኣሕመድ ዝገልጽ።
ውዕል ፕሪቶርያ፡ ነቲ ብልፍንቲ ጥምር ጦር ምስ ሰራዊት ፈደራል ብምኳን ናብ ትግራይ ዛኣተወን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ገበናት ኲናት ዝፈጸመን ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ብወግዒ ዘባረረን፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚሊዮም ህዝቢ ንዘህለቀ ደማዊ ኲናት መከተምታ ዝገበረን ውዕል ብምኳኑ፡ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ዓቢ እፎይታ እኳ እንተፈጠረ፡ ነታ ዝረኸባ ዕድል ተጠቂሙ ኩሉ ዓይነት ገበናት ንምፍጻም ዝወፈረ ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ ከቢድ ውርደትን ተነጽሮን ብምንባሩ ግዜ ከይወሰደ ኣንጻር ኢትዮጵያ ክሰርሕን ዕጡቃት ክድግፍን ምጅማሩን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢትዮጵያ ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ እተልዕሎ ዘላ ሕቶን ናይ ኲናት ስጋኣትን ውን ካብ ተግባራት እቲ ጉጅለ ዝነቅል ምኳኑ”ዩ ዝእመን።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ጥይት ካብ ምቅባል ተቘጠቡ፡ ሃገር ኵኑ ነብስኩም ከኣሉ፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ጥይት ምቅባል ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰባትን፡ ዘይሕጋዊ ንግድን ክተርፍ ተሓባበሩ፡ ዝተሰነዐ ብር ምብታንን፡ ኣብ ኣመሪካ ኮፍ ኢልኩም ትገብርዎ ዘለኩም ንግዲ ጸሊም ዕዳጋን ደው ኣብሉ፡ ከም ጐረባብቲ ክንተሓለለ ይግባእ ክብል ንጉጅለ ህግደፍ ምሕጽንቱኡ ዘቅረበ ኮይኑ፡ ህግደፍ ኣብታ ሃገር ዝገብሮ ዘሎ ምትኩታኽ ደው እንተቢሉ፡ ሕጂ ውን ከም ዝሓለፈ ኣስመራ ናይ ምካድ ድሌት ከምዘለዎ”ዩ ዝገልጽ።
ብውዕል ፕሪቶርያ ካብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተሶጊጉ ኣብ ኩራ ብምእታው፡ ብልጽግና ካብ ስልጣን ዝውገደሉ መንገድታት ንምሕጻር ንኩሎም ናይ ኢትዮጵያ ዕጡቃት ሓይልታት ኣብ ምድጋፍ ዝርከብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኢትዮጵያ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ምውራር ድላይ ኣለዋ ዝብል ኣጀንዳ ኣቀሚጡ ገበናቱ ክሽፍን ዝቃለስ እኳ እንተኮነ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ቅሉዕ ምትእትታው ብምግባር መንግስቲ እታ ሃገር ንምርባሽ ዝገብሮ ዘሎ ምትኹታኽ ግን ከም ምክንያት ኣቀሚጥዎ ኣይፈልጥን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ካብ’ዚ ቀረባ ግዚያት ናብ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ውድብ ህወሓት ብምዃን፡ ንዕጡቓት ፋኖ ናይ ክልል ኣምሓራ ሓገዝ ይገብር ምህላዉ ከሲሱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ንዕጡቃት ፋኖ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝዕልምን፡ ወተሃደራዊ ስንቂ ዘቀብልን ዘሎ ጉጅለ ግን፡ ንዝቀረበሉ ክስታት ክነጽጎን፡ ንተግባራቱ ክኽሕዶ ምፍታኑ ዝዝከር”ዩ።