ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ፓርላማ እታ ሃገር ተረኪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ናብ ኲናት እንተመሪሑ፡ እቲ ውጺኢት ናብ መን ክዛዙ ምኳኑ ንጹር”ዩ ብምባል፡ ድሕሪ ኩነታት ኣውያት ዘዋጽእ ኣይኮነን ብምባል ኣጠንቂቑ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ብጉዳይ ተጠቃምነት ወደብ ዓሰብ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ዝርርብ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ከምዝተገብረ ዝጠቀሰ ኮይኑ፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ተሰማሚዕና፡ ካብ’ዚ ናብ ዓሰብ ዝኸይድ ጽርግያ ጸጊንና፡ ሎሚ ጽባሕ ክኽፈት”ዩ ኢልና እንዳተጸበና፡ እቲ ወደብ ተዳኺሙ”ዩ ክሰርሕ ኣይክእልን”ዩ ተባሂልና ድሕሪ ምባሉ”ዩ፡ ህግደፍ ነቲ ስም ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዓት ኩሉ ኣብ ማይ ከምዘእተዎ”ዩ ዝኸስስ።
ወደብ ዓሰብ ሽግር ኣለዎ ስለዝበሉ፡ ካብ ሓንቲ ፈታዊት ሃገር ለሚንና፡ ጀነሬተርን ክሬንን ብሓገዝ ናብ ኤርትራ ከም ዝኣቱ ገይርና ዝበለ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ወደብ ዓሰብ ምስ በጽሐ ጉጅለ ህግደፍ ኣየድልየንን”ዩ ኢሉ ምስ መለሶ ግን፡ ጉዳይ ወደብ ዓሰብ ተስፋ ከምዘይብሉ ተረዲኡኒ ክብል”ዩ ዝገልጽ።
ልክዕ ከም ሱዳን ጅቡትን ብናትና ወጻኢታት፡ ንኤርትራ ውን ጸዓት ኤሌክትሪክ ክንህበኩም፡ ጀነሬተር ኣይትጠቐሙ እንተበልናዮም ውን፡ ክንሓስበሉ ኢና ዝብል መልሲ”ዮም ሂቦሙና ዝበለ ኣብይ፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዓት ንምዕዋት ፍጹም ድሉውነት ከምዘይነበሮ”ዩ ዝገልጽ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ፡ ኣብቲ ንጉዳይ ቀይሕ ባሕሪን ወደብ ዓሰብን ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሰፊሕ መደሩኡ፡ ቁርቑስ ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ከምቲ ንብዙሓት ዝመስሎም ብሓደ ለይቲ ዝተወለዐ ኣይኮነን ዝበለ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጸገም መንበሪ ኣባይቲ ከምዘሎ ነጊረኩም፡ ዓሰብ ኬድና ኣብ ዝረኣናዮ ሰዓት ውን ገዛ እምበር ሰብ ስለዘይነበሮ፡ ነዚ ከተማ ህይወት ንዝርኣሉ፡ ስራሕ ብምፍጣር እዩ ህይወት ዝረክብ፡ ኢልና ሓሳብና ኣቅሪብና ኢና ድሕሪ ምባሉ፡ ጉጅለ ህግደፍ ግን ዛጊት ንጹር ብዘይኮነ ምኽንያት ንጉዳይ ወደብ ዓሰብ ኣመልኪቱ ግብረመልሲ ክህብ ድሉው ከምዘይነበረ”ዩ ዝገልጽ።
ጉዳይ ወደብ እሞ ይትረፍ፡ ዝኸፈትናዮም ኣፍደገ ዶባት ውን ብኡ ንብኡ”ዮም ተዓጽዮም ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ጉዳይ ምዕጻው ዶባት ኢትዮኤርትራ ውን ውሳነ ጉጅለ ህግደፍ ምኳኑ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብኩሉ መንገድታት ድልዉነት ንሓባራዊ ዕብየት ከምዘይነበሮ”ዩ ዝከስስ።
ብጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያ፡ ሕብረት ኣውሮጳን፡ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ብብግዚኡ መብርሂ ከምዝሃበ ዝገለጸ ኣብይ፡ ቀዳምነት እንህቦ ጉዳይ፡ ጉዳይ ሰላምን ዘተን ስለዝዀነ ግን፡ በጃኻትኩም ሸምግሉና’ሞ ፍታሕ ኣምጽኡልና ኢልና ሓቲትና ኢና ክብል”ዩ ንሽምግልና ቅሩብ ምህላዉ ዝገልጽ።
ኢትዮጵያ ዓመታዊ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ብምውሳኽ፡ ሓንቲ ኤርትራ እንዳፈጠረት”ያ ትከይድ ዘላ ብምባል፡ ንዋሕዲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ወጽዓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከተኣሳስር ዝፈተነ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ ብሓባር ንምዕባይ ድሌት እኳ እንተለዋ፡ ብዝኮነ ይኩን ምክንያት ኲናት እንተተወሊዑ ግን፡ ውጽኢቱ ንጹር’ዩ፡ ድሕሪ ኩነታት ኣውያት ኣይሰርሕን ብምባል”ዩ ንጉጅለ ህግደፍ ዘጠንቅቕ።